ስፍሓት ማህረምቲን ዘርፊን ኣብ መቐለ -- ድምር ውጽኢት በበይኑ ምኽንያታት Public Domain  — መቐለ — ብሕልፊ ድሕሪ ኲናት ኣብ ከተማ መቐለ ስርቂ፡ ማህረምቲን ዝርፍያን እናወሰኸ ምምጻኡ ጸብጻባት ፖሊስን መዛግብቲ ሕክምና የረድኡ። እቲ ገበናት እናዓበየ ምምጻኡ ዝገለጸ ቤት ጽሕፈት ፖሊስ መቐለ ብወገኑ፡ እቲ ተርእዮ ሓደ ካብቲ ሳዕቤናት ድሕሪ ኲናት ዝተፈጥረ ስነ-ልቦናዊ ሽግራት ምዃኑ ይገልጽ። ... ድምጺ ኣመሪካ 13 hr
መቐለ -- መወዳእታ ዙርያ ተመዛበልቲ ራያ-ኣላማጣ ንቦታኦም ተመሊሶም Public Domain  — መቐለ — ሳልሳይን መወዳእታን ዙር ምምላስ ካብ ራያ-ኣላማጣ ተመዛቢሎም ኣብ መቐለ ዝጸንሑ ተመዛበልቲ ተኻዪዱ። ካብ መንበሪኦም ብሰንኪ ዂናት ተመዛቢሎም ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዝጸንሑ፡ ምስዞም ዝደሓሩ ብድምሩ 17-ሽሕ ተመዛበልቲ ናብ ቦታኦም ከምዝተመልሱ ተሓቢሩ ኣሎ።  ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።   ... ድምጺ ኣመሪካ 14 hr
ሶማል ካብ ኢትዮጵያ ዝኣቱ ዘይሕጋዊ ኣጸዋር ምህላዉ ተኸስስ፡ ኢትዮጵያ ትነጽግ Public Domain  — ኣዲስ ኣበባ — ኣብ መፋርቕ ናይዚ ሒዝናዮ ዘሎና ወርሒ ሓምለ፡ ንህይወት ሲቪላውያን ዜጋታት ዝቐተለ ምልውዋጥ ተዅሲ፡ ሰብ-መዚ ሶማል ካብ ኢትዮጵያ ዝኣትዉ ዘይሕጋዊ ኣጽዋር ኣሰካፊ ምህላዉ ኣመልኪቶም ነይሮም። መንነቶም ክዕቀበሎም ዝሓተቱ ሰብ-መዚ ሶማል ምስ ድምጺ ኣመሪካ ፈነወ ቋንቋ ሶማል ከም ዝሓበሩዎ፡ ካብ ኢትዮጵያ ብገለ ጉጅለታት ዝኣቱ ዘይሕጋዊ ኣጽዋር ኣብ መፈተሺ ንቝጥታት ከም ዝማረኹ ሓቢሩ። ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ብመንገዲ ወሃብ-ቃሉ ኣቢሉ ሎሚ ዓርቢ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ግን ነቲ ክሲ ኣትሪሩ ነጺጉ ኣሎ። ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ፡ ነቲ ክሲ መሰረት-ኣልቦን ዘይሓላፍነታዊ’ዩ ብምባል፡ ኢትዮጵያ ንሰላምን ምርግጋእን ሶማል ከም እትሰርሕ ጠቒሱ። ኣስዒቡእቲ መግለጺ፡ ብሰንኪ ኣብቲ ዞባ ዘሎ ሰፋሕቲ ግጭታት ካብን ናብን ዝውውር ዘይሕጋዊ ኣጽዋር ብብዝሒ ስለ ዝርአ፡ ኵለን ጎረብባቲ ሃገራት ነቲ ተርእዮ ሓቢረን ክቃለስኦ ጸዊዑ።   ... ድምጺ ኣመሪካ 14 hr
ኵርናዕ ኣመሪካ -- ንትምህርቲን ርክባትን Public Domain  — መቐለ — ኣብ ከተማ መቐለ ዝርከብ ኵርናዕ ኣመሪካ ኣካል’ቲ ኣብ በበይኑ ከተማታትን ሃገራትን ንትምህርቲን ርክባትን ዝኽፈት ማእከላት’ዩ። ናጻ ኣገልግሎት ኢንተርነት፡ ንዝለዓለ ትምህርቲ ክቕጽሉ ዝደልዩ ዝወሃብ ምኽሪን ማእከል መራኸቢታትን ኰይኑ ከኣ የገልግል። ... ድምጺ ኣመሪካ 1 d
ህወሓት ንጉባኤ ይዳሎ፡ ካልኦት ግን ቀዳምነት ኣይርእዩዎን Public Domain  — መቐለ —  ህወሓት ቅድሚ ጉባኤ ዘሎ ምድላዋት ኣፃፊፉ መበል 14 ጉባኤ ንምክያድ ኣብ ምቅርራብ ከም ዘሎ ኣመልኪቱ ነይሩ። ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ግን ቅድሚ’ቲ ጉባኤ ኣብ ቦርድ ምርጫ ክመዝገብ የድሊ ክብሉ ኣተሓሳሲቦም። ንተቓወምቲ ውድባት’ውን ርእይቶም ሂቦም ኣለው። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።   ... ድምጺ ኣመሪካ 1 d
ኣብ ደቡብ ኢትዮጵያ ብዘጋጠመ ምህማም መሬት 5-ሽሕ ነበርቲ ካብቲ ከባቢ ከምዝወጹ ተገሊጹ Public Domain  — ሃዋሳ — ኣብ ደቡብ ኢትዮጵያ ዞባ ጎፋ ወረዳ ጎፋ ቅድሚ ሒደት መዓልታት ዘጋጠመ ምህማም መሬት 5,000 ነበርቲ ካብ’ቲ ከባቢ ከምዝወጹ ቤት ጽሕፈትኮሚኒኬሽን’ቲ ክልል ኣፍሊጡ። ናይ’ቲ ወረዳ ምክልኻል ሓደጋ ብወገኑ ህጹጽ ሰብኣዊ ረድኤት ዘድልዮም ልዕሊ 2,500 ሰባት ምልላይ ከምዝተኻኣለ ገሊጹ። ንስራሕ ህይወት ኣድሕን ናብ’ቲ ስፍራ ዘቅንዑ መምህር ዩኒቨርስቲ ኣርባ ምንጭ ኣቶ ዘለቀ ዶሳ ንድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ ብሰንኪ’ቲ ሓደጋ ሓሙሽተ ኣባላት ቤተሰቦም ከምዝሳኣኑን፣ "እቲ ሓደጋ ልብኻ ዘድምን ኣዝዩ ዘቅንዙን" ከምዝኮነ ጠቂሶም። እዚ ከምዚ’ሉ ከሎ ብዛዕባ’ቲ ሓደጋ ርእይቶ ዝሃቡ ዋና ጸሓፊ ሕ/ሃ ኣንቶንዮ ጉተረዝ እቲ ዝወረደ ሓደጋ ንምግላጽ፣ ዘጭንቕ ከምዝኾነን በቲ ሓደጋ ዝተሰምዖም ሓዘን ምግላጾምን ተሓቢሩ'ሎ። ... ድምጺ ኣመሪካ 1 d
ንልዕሊ 20 ዓመታት ዝጸንሓ ምሕዝነትን ናብራ ስደትን Public Domain  — ፖላንድ — ንልዕሊ 20 ዓመታት ኣብ ፖላንድ ርእሰ ኸተማ ቫርሻቫ ዝነበራን ምስ ደቂ እቲ ዓዲ ሓዳር ጌረን ነፍሲ ወከፈን ክልተ ቆልዑ ዝወለዳን ክልተ ኣዴታት ወ/ሮ ለምለም ሓጎስን ወ/ሮ ሰናይት ተወልደ መድህንን ይበሃላ።   እዘን ክልተ ካብ ኤርትራን ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ቕድሚ ነዊሕ ዓመታት ናብ ፖላንድ ዝመጻ ኣዴታት ብዘይ'ቲ ናብረኣን ንምምራሕ ዝሰርሕኦ ስርሓት ኣብ ምሕጋዝ ስደተኛታት ይነጥፋ። ናብ ፖላንድ ዝኣቱ ስደተኛ ሽመን ዘይፈልጦ የለን።    ካብዚ ንላዕሊ እቲ ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ኣብ መንጎ ሃገራተን ዝነበረ ምስሕሓባት ከይደረተን  ምሕዝነተን ንዝሓለፈ 20 ዓመታት ጸኒዑ ጸኒሑን ኣሎን።   ተሞክረአንን ዝገጥመን ዝነበረ ዕንቅፋት ከመይ ከምዝሰገረኦን ኣዘራሪብናየን ኣለና። ... ድምጺ ኣመሪካ 1 d
ኢትዮጵያ- ቁጽሪ ብምህማም መሬት ዝሞቱ ሰባት ናብ 250 ክብ ኢሉ Public Domain  — ሃዋሳ — ኣብ  ኢትዮጵያ ዞባ ጎፋ ወረዳ ጎፋ ብዘጋጠመ ምህማም መሬት ቁጽሪ ዝሞቱ ሰባት 250 ምብጽሑን ጻዕሪ ህይወት ምድሓን ነብሲ ቐጺሉ ከምዘሎ ቤት ጽሕፈት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ክልል ደቡብ ኣፍሊጡ። ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከብ ኤምባሲ ኣመሪካ ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ትካላትን መሻርኽቲ ኣካላትን በቲ ሓደጋ ዝተሰማዖም ሓዘን ገሊጾም ሓገዝ ከምዝህቡ 'ውን ኣፍሊጦም'ለዉ።  ንስድራ ግዳያት ጉድኣት ንዝወረዶምን ሓዘኑ ዝገለጸ ኤምባሲ ኣመሪካ መንግስቲ ኣመሪካ ብዩ.ሴኤስ.ኤ.ኣይ.ዲ ኣቢሉ ከምዝሕግዝን ንካልኦት ትካላት ሰብኣዊ ረድኤት'ዉን የተሓባብር ከምዘሎን ነቲ ጉዳይ ብቀረባ ይከታተሎ ምህላዉን ገሊጹ'ሎ።  ዓሙቕ ሓዘን ከም ዝተሰመዖ ዝገለጸ ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ'ውን ንስራሕ ህይወት ኣድሕንን ጉድኣት ንዝወረዶም ንምጥያሶምን ካብ ዝተፈላለዩ ኣካላት ዝተዋጽአሓይሊ ዕማም ናብቲ ከባቢ  ከም ዝተላእከ ቤት ዕዮ ኮሚኒኬሽን ኣፍሊጡ'ሎ።  ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ(ኢሰመኮ) ብወገኑ ዝርከብ ስብኣዊ ሓገዛት ብዝተወደበን ብቅልጡፍን ክቀርብ ኣለዎ ኢሉ'ሎ። ብኻልእ ዝተተሓሓዘ ዜና ኣብ ክልል ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያ ዞባ ቤንቾ ሸኮ ወረዳ ሰሜን ቤንቾ ብዝወረደ ምህማምን ምስንጣቅን  መሬት 208ሰባት ካብ መንበሪኦም ተመዛቢሎም'ለዉ።  ... ድምጺ ኣመሪካ 2 d
በዓል መዚ ሲቪል ኣቭየሽን ኤርትራ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ኣስመራ ዘካይዶ በረራ ከቋርጽ ሓቲቱ Public Domain  — ዋሽንግተን — በዓልመዚ ሲቪል ኣቭየሽን ኤርትራ፡ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ካብ 30 መስከረም ጀሚራ ናብ ኣስመራ እትገብሮ በረራታት ደው ከተብል ምዃን ኣፍሊጡ። እቲ በዓልመዚ ኣብ ዝዘርግሖ ህዝባዊ ምልክታ፡ ነቲ ስጕምቲ ንምውሳድ ዝደረኸ ምኽንያት ዘይቅቡል ዝበሎ ክብሪ ዋጋታት፡ ምድንጓያት፡ ስርቂ ንብረትን ካልእ ምጕስቓል ተጓዓዝቲን ምዃኑ ይጠቅስ። ካብ 30 መስከረም እቲ ስሩዕ በረራታት ከቋርጽ ምዃኑ ዝገለጸ እቲ ሓበሬታ ንተጓዓዝቲ ካልእ ኣማራጺታት ከናድዩ ጸዊዑ ኣሎ። መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብወገኑ ካብ ሲቪል ኣቭየሽን ኤርትራ ንምቁራጽ በረራ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ኣስመራ ዝምልከት ደብዳበ ብ21 ሓምለ 2024 ከምዝበጽሖ ገሊጹ። እቲ ብማሕበራዊ መራኸቢ ኤክስ ዝወጸ መግለጺ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ እቲ  ንምቁራጽ በረራ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ  ብዝምልከት ዝበጽሖ ደብዳበ ናብዚ ውሳነ ዘብጽሐ ምኽንያት ከምዘይገልጽን  ነቲ ጉዳይ ብቕልጡፍን ብሕውነትን ንምፍታሕ ከምኡ'ውን ካብ በዓል መዚ ሲቪል ኣቭየሽን ኤርትራ ተወሳኺ መብርሂ ንምርካብን ይሰርሕ ምህላው ሓቢሩ። ድምጺ ኣመሪካ ካብ ክልተኡ ወገናት ኣብዚ ጉዳይ ተወሳኺ መብርሂ ንምርካብ ዝገበሮ ጻዕሪ ዛጊት ኣይተዓወተን። ኣቐዲሙ ብዶባዊ ኲናት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ 1998 ኣቋሪጹ ዝነበረ ስሩዕ በረራ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ኣስመራ፡ ድሒሩ ኣብ መንጎ መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተገብረ ስምምዕ ሰላም ካብ ሓምለ 2018 ጀሚሩ ስሩዕ በረራታት ምጅማሩ ይዝከር። ... ድምጺ ኣመሪካ 2 d
መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ኣስመራ እተካይዶ በረራታት ደው ከተብል’ያ Public Domain  — ዋሽንግተን — በዓልመዚ ሲቪል ኣቭየሽን ኤርትራ፡ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ካብ 30 መስከረም ጀሚራ ናብ ኣስመራ እትገብሮ በረራታት ደው ከተብል ምዃን ኣፍሊጡ። እቲ በዓልመዚ ኣብ ዝዘርግሖ ህዝባዊ ምልክታ፡ ነቲ ስጕምቲ ንምውሳድ ዝደረኸ ምኽንያት ዘይቅቡል ዝበሎ ክብሪ ዋጋታት፡ ምድንጓያት፡ ስርቂ ንብረትን ካልእ ምጕስቓል ተጓዓዝቲን ምዃኑ ይጠቅስ። ካብ 30 መስከረም እቲ ስሩዕ በረራታት ከቋርጽ ምዃኑ ዝገለጸ እቲ ሓበሬታ ንተጓዓዝቲ ካልእ ኣማራጺታት ከናድዩ ጸዊዑ ኣሎ። መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብዚ ጉዳይ ዛጊት ወግዓዊ ዝገበሮ መግለጺ የሎን። ድምጺ ኣመሪካ ካብ ክልተኡ ወገናት ኣብዚ ጉዳይ ተወሳኺ መብርሂ ንምርካብ ዝገበሮ ጻዕሪ ዛጊት ኣይተዓወተን። ኣቐዲሙ ብዶባዊ ኲናት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ 1998 ኣቋሪጹ ዝነበረ ስሩዕ በረራ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ኣስመራ፡ ድሒሩ ኣብ መንጎ መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተገብረ ስምምዕ ሰላም ካብ ሓምለ 2018 ጀሚሩ ስሩዕ በረራታት ምጅማሩ ይዝከር። ... ድምጺ ኣመሪካ 2 d
ደቡብ ኢትዮጵያ -- ብምህማም መሬት ዝሞቱ ዜጋታት ብዝሖም 229 ደዪቡ Public Domain  — ዋሽንግተን — ኣብ ኢትዮጵያ ወረዳ ግዜ ጎፋ ክልል ደቡብ ብዝሃረመ ከቢድ ዝናብን ድሕሪኡ ዝሰዓበ ምህማም መሬትን ብውሑዱ 229 ሰባት ምማቶም ኣመሓዳሪ እቲ ወረዳ ንድምጺ ኣመሪካ ኣቐዲሙ ሓቢሩ ኔሩ። ትማሊ ሰኑይ ብዝሒ ምዉታት 55 ተባሂሉ እኳ እንተ ነበረ መስርሕ ድልያን ህይወት ኣድሕንን ኣብ ዝቐጸለሉ እዋን ግን ሎሚ ሰሉስ ብዝሒ ምዉታት 229 ምብጻሑ ኣመሓዳሪ እቲ ወረዳ ኣቶ ዳግማዊ ኣየለ ኣመልኪቱ። ሰብ-መዚ እቲ ከባቢ ከም ዝገልጹዎ፡ መብዛሕትኦም ዝደሓሩ ግዳያት ነቶም ዝተደብዩ ንምውጻእ ኣብ ዝፈተኑሉ እዋን’ዮም ሞይቶም። መስርሕ ድልያ ኣብቲ ሓደጋ ተደብዮም ዘለዉ ይቕጽል ኣሎ። ክንደይ ሰባት ተደብዮም ምህላዎም ግን ዛጊት ኣይተሓበረን። በቲ ዝወረደ ሓደጋ ካብ መንጎ ዝሞቱ፡ ቆልዓ-ሰበይቲ ዝሓወሱ ኣባላት ስድራቤት ከም ዘለዉ’ውን ሓደጋ ምክልኻል እቲ ወረዳ ሓቢሩ። ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ በቲ ሓደጋ ዝተሰምዖ ሓዘን ኣብ ማሕበራዊ ገጻት ብምጥቃስ፡ መንግስቲ ሰራሕተኛታት ህጹጽ ሓደጋ ናብቲ ቦታ ምልኣኹ ኣመልኪቱ። ኣብ ደቡብ ኢትዮጵያ ካብ ወርሒ ሓምለ ክሳብ መፋርቕ ወርሒ መስከረም ምህማም ምድሪ ዘኸትሎ ሞትን ሓደጋን ኣዝዩ ዝውቱር ምዃኑ ይፍለጥ። ... ድምጺ ኣመሪካ 3 d
ልዕሊ 10-ሽሕ ተመዛበልቲ ኣብ ጸለምትን ከባቢኣን ዝርከብ ናብ መንበሪኦም ምምላሶም ተገሊጹ Public Domain  — ደሴ — ብሰንኪ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ተወሊዑ ዝነበረ ኵናት፣ ካብ ከባቢታት ጸለምቲ ተፈናቂሎም ነይሮም ዝተባሃሉ ልዕሊ 10-ሽሕ ሰባት ብኣርባዕተ ዙር ናብ መንበሪኦም ከምዝተመለሱ ኣዛዚ እዚ ሰሜን ምዕራብ ሰራዊት ኢትዮጵያ ሓቢሩ። ንመንግስታዊ መሓውራት ዜና ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ እቶም ተፈናቀልቲ ናብ መንበሪኦም ዝተመለሱ ምስ ወከልቲ ክልላት ትግራይን ኣምሓራን ብምትሕብባር ከምኾነ ገሊጾም። ኮሚተ ምምላስ ወሰንን መንነትን ጸለምትን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ግና ብሽም ተፈናቀልቲ ዕጡቓት ህወሓት ኣትዮም ኣለው፣ ካብ ኣቐዲሙ ኣብ ስምምዕ ዝተበጽሐሉ ንላዕሊ ብዝሒ ተፈናቀልቲ ንክኣትው ተገይሩ ኣሎ ይብል። ምክትል ኣመሓዳሪ ሰሜናዊ ምዕራብ ክልል ትግራይ ከላሊ ሓጋዚ ግብረ መልሲ ንክህቡ ተሰማሚዖም ነይሮም፣ ዳሓር ግና ስልኮም ስለዘየልዓሉ ምላሾም ኣብዚ ጸብጻብ ምጥቕላል ኣይተኸኣለን።     ... ድምጺ ኣመሪካ 3 d
ደቡብ ኢትዮጵያ --  157 ሰባት ብምህማም መሬት ሞይቶም Public Domain  — ዋሽንግተን — ኣብ ኢትዮጵያ ወረዳ ገዜ ጎፋ ክልል ደቡብ ብዝሃረመ ከቢዲ ዝናብን ድሕሪኡ ዝሰዓበ ምህማም መሬትን ብውሑዱ 157 ሰባት ምሟቶም ኣመሓዳሪ እቲ ወረዳ ንድምጺ ኣመሪካ ሓቢሩ። ትማሊ ሰኑይ ብዝሒ ምዉታት 55 ተባሂሉ እኳ እንተ ነበረ መስርሕ ድልያን ህይወት ኣድሕንን ኣብ ዝቐጸለሉ እዋን ግን ሎሚ ሰሉስ ብዝሒ ምዉታት 157 ምብጻሑ ኣመሓዳሪ እቲ ወረዳ ኣቶ ዳግማዊ ኣየለ ኣመልኪቱ። ካብቲ ዝሃመመ መሬትን ጭቃን ሓሙሽተ ሰባት ብህይወት ክወጽኡ ምኽኣሎም እቲ ምምሕዳር ወሲኹ ሓቢሩ'ሎ። እንተዀነ መስርሕ ፍተሻ ይቕጽለሉ ኣብ ዘሎ እዋን፡ ገና ብዝሖም ዘይተፈልጡ ዜጋታት ብጭቃ ተቐቢሮም ምህላዎም እቲ ሓበሬታ የረድእ። በቲ ዝወረደ ሓደጋ ካብ መንጎ ዝሞቱ፡ ቆልዓ-ሰበይቲ ዝሓወሱ ኣባላት ስድራቤት ከም ዘለዉ’ውን ሓደጋ ምክልኻል እቲ ወረዳ ሓቢሩ። ኣብ ደቡብ ኢትዮጵያ ካብ ወርሒ ሓምለ ክሳብ መፋርቕ ወርሒ መስከረም ምህማም  ምድሪ ዘኸትሎ ሞትን ሓደጋን ኣዝዩ ዝውቱር ምዃኑ ይፍለጥ። ... ድምጺ ኣመሪካ 3 d
ኣብ ክልል ኣምሓራ ብሰንኪ ጎንጺ ኣብ ልዕሊ ኣስታት 400 ኣብያተ ትምህርቲ ጉድኣት ምብጽሑ ተገሊጹ Public Domain  — ባህዳር — ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኣምሓራ ኣብ መንጎ ሓይልታት ፀጥታ መንግስትን ዕጡቃት ፋኖን ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ዓመት ዝጀመረ ጎንፂ ኣብ ዞባ ምብራቅ ጎጃም ኣብ ዝርከባ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ኣብያተ-ትምህርቲ ብዝወረደን ከቢድ ጉድኣት ከምዝተዓፅዋን ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑፀሩ ቆልዑ ካብ መኣዲ ትምህርቲ በዅሮም ምንባሮምን ተገሊፁ። ሓላፊ መምርሒ ትምህርቲ’ቲ ዞባ ኣቶ ጌታሁን ፈንቴ ኣብ ዞባ ምብራቅ ጎጃም ልዕሊ 400-ኣብያተ ትምህርቲ ከቢድ ጉድኣት ከም ዝወረዶምን ብሰንኪ’ቲ ዝተወለዓ ጎንፂ ከኣ ልዕሊ 500-ኣብያተ ትምህርቲ ካብ መስርሕ ምምሃር  ቦኺረን ምንባረን ንድምጺ ኣመሪካ ገሊፆም። ብሰንኪ’ዚ ከኣ ልዕሊ 600-ሽሕ ቆልዑ ናብ ቤት-ትምህርቲ ከም ዘይተመለሱን ንዓመታት ትምህርቶም ንክጅምሩ ምስቲ ሕብረተሰብ ብምዃን ወፍሪ ይካየድ ምህላው ወሲኾም ሓቢሮም። ድምፂ ኣመሪካ ዘዘራረቦም ተማሃሮን መማህራንን ብወገኖም ካብ ትምህርቲ ቦኺሮም ዝነበሩ ተማሃሮ ንዝተፈለለየ ማሕበራዊ ቅልውላው ተቃሊዖም ምንባሮም ተዛሪቦም። ናይ ሕቡራት ሃገራት ኣተሓባባሪ ሰብኣዊ ጉዳያት(ኦቻ) ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ ኣብ ዘውፅኦ ሪፖርት ኣብ ክልል ኣምሓራ ብዝቐፀለ ጎንፂን ቅድሚኡ ብዝነበረ ኵናት ሰሜን ኢትዮጵያ ክሳብ ወርሒ ሚያዝያ 4,178 ኣብያተ ትምህርቲ ተዓፅየን ምንባረን ኣብ ዝተፈላለያ ዞባታት ከኣ ኣስታት 300 ኣብያተ ትምህርቲ ጉድኣት ከም ዝወረደን ካልኦት 350 ከኣ ኣገልግሎት ከምዘይሃባን ገሊፁ ኔሩ’ዩ። ብመሰረት’ቲ ፀብፃብ ኣብ ምብራቅን ምዕራብን ጎጃም ከምኡ’ውን ዞባታት ደቡብ ጎንደር  ካብ ዝርከባ ኣብያተ ትምህርቲ 89% ዝኾና ተዓፅየን ከም ዝርከባን ኣብ ክልል ኣምሓራ ካብ ዝርከቡ ተማሃሮ’ቶም 35% ካብ ትምህርቲ በኵሮም ምህላዎምን ገሊጹ።      ... ድምጺ ኣመሪካ 4 d
ቀ/ሚ ኣብይ ምስ ወከልቲ ፖለቲካዊ ፓርቲታት ተራኺቦም፡ ተዘራሪቦም Public Domain  — ኣዲስ ኣበባ — ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ሎሚ ሰኑይ ምስ ወከልቲ ፓርትታት ፖሎቲካ ምምይያጦም ገሊፆም። ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ  “ኩሉ ሓቆፍ ረብሓ ኣብ ዘለዎም ሃገራዊ ጉዳያት ምርድዳእ ንምፍጣር ብዝምልከት ተመያይጥና’ለና” ክብሉ ኣብ ማሕበራዊ ገጾም ዘውጽእዎ መልእኽቲ ሓቢሮም። እቲ ምይይጥ ካብቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ ዝተኻየደ ዝቀፀለ ምዃኑ’ዉን ወሲኾም ሓቢሮም። ኣብቲ ናይ ሎሚ ምይይጥ ዝተረኽቡ ፓርትታት ፖለቲካ ዋዜማን ህዝባዊ ኣብዮታዊ ፓርቲ ኢትዮጵያ(ኢሕኣፓ)ን ይርከብዎም። ኣብቲ ምይይጥ ዝተረኽቡ ወኪል ዋዜማ ምኽትል መራሒ’ቲ ፓርቲ ኣቶ ዮሃንስ መኮነንን ወኪል ኢሕኣፓ ምኽትል ኣቦመንበር’ቲ ፓርት መጋቢ ብሉይ ኣብርሃም ሃይማኖት ካብ ዝተዘርበሎም ነጥብታት ሰላምን ፀጥታን ቀንዲ ምንባሮም ንድምጺ ኣመሪካ ገሊፆም። ወኪል ኢሕኣፓ ምኽትል ኣቦመንበር’ቲ ፓርት መጋቢ ብሉይ ኣብርሃም ሃይማኖት በቲ ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ዝተዋህበ ምላሽ ፓርቲኦም  ከምዘይዓገበ ተዛሪቦም’ለዉ። ብመንግስቲ ተዓዲሞም ኣብቲ ምይይጥ ካብ መንጎ  ዘይተረኽቡ ሓደ ኦፌኮ- ኦሮሞ ፌደራሊስት ኮንግረስ ሓደ ኮይኑ ኣቦ መንበር’ቲ ፓርቲ ፕሮፌሰር መረራ ጉዲና ከም ወትሩ እቶም ቀዳማይ ሚኒስተር ምስ ፓርትታት ፖሎቲካ ዝገብርዎ ምይይጥ ምስሉይን ሓሳበይ ጥራይ ስምዑ ዝንፀባረቀሉ’ዩ ኢሎም ከምዝኣምኑ’ዮም ተዛሪቦም። ቅድሚ’ዚ ምስቶም ቀዳማይ ሚኒስተር ዝተገብረ ምይይጥ ፖለቲካዊ ፓርትታት ክልላት ምስ ምምሕዳራት ክልላትን ከንቲባታት ከተማታትን፡ ሃገር-ለኸ ፓርትታት ከኣ ምስ ምክትል ፕረዚደንት ፓርቲ ብልፅግና ምምይያጦም ይፍለጥ።             ... ድምጺ ኣመሪካ 4 d
2 ሱዳናውያን ስደተኛታት ኣብ ከባቢ መዓስከሮም ተቐቲሎም፡ ሕ/ሃ ናብ ዝተመደበሎም ቦታ ክግዕዙ ይፅውዕ Public Domain  — ኣዲስ ኣበባ — ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኣምሓራ ኣብ ልዕሊ እቶም ካብ መዓስከራት ኣውላላን ኩመርን ወፂኦም ናብሮም ኣብ ወሰን መንገዲ ዝገበሩ ሱዳናውያን ስደተኛታት ብዘጋጠመ መጥቃዕቲ ክልተ ሰባት ምሟቶምን ትሸዓተ ምቑሳሎምን ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት (UNHCR) ኣፍሊጡ። ኮሚሽን ስደተኛታት ኣብ መዓስከራት ኣውላላን ኩመርን ተደጋጋሚ መጥቃዕቲ የጋጥም ብምህላው ስደተኛታት ኣፍጥጥ ናብ ዝተባህለ ሓድሽ መዓስከር ምግዓዝ ከም ዝጀመረ ገሊፁ ኣሎ። እቶም ኣብ ወሰን መንገዲ ዝነብሩ ዘለው ሱዳናውያን ስደተኛታት ግን ካብ ኢትዮጵያ ወፃኢ ናብ ሳልሳይ ሃገር እንተዘይኮይኑ ናብቲ ሓድሽ መዓስከር ኣይንኸይድን ይብሉ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።   ... ድምጺ ኣመሪካ 4 d
ቀ/ሚ ኣብይ ምስ ወከልቲ ፖለቲካዊ ፓርቲታት ተራኺቦም፡ተዘራሪቦም Public Domain  — ኣዲስ ኣበባ — ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ሎሚ ሰኑይ ምስ ወከልቲ ፓርትታት ፖሎቲካ ምምይያጦም ገሊፆም። ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ  “ኩሉ ሓቆፍ ረብሓ ኣብ ዘለዎም ሃገራዊ ጉዳያት ምርድዳእ ንምፍጣር ብዝምልከት ተመያይጥና’ለና” ክብሉ ኣብ ማሕበራዊ ገጾም ዘውጽእዎ መልእኽቲ ሓቢሮም። እቲ ምይይጥ ካብቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ ዝተኻየደ ዝቀፀለ ምዃኑ’ዉን ወሲኾም ሓቢሮም። ኣብቲ ናይ ሎሚ ምይይጥ ዝተረኽቡ ፓርትታት ፖለቲካ ዋዜማን ህዝባዊ ኣብዮታዊ ፓርቲ ኢትዮጵያ(ኢሕኣፓ)ን ይርከብዎም። ኣብቲ ምይይጥ ዝተረኽቡ ወኪል ዋዜማ ምኽትል መራሒ’ቲ ፓርቲ ኣቶ ዮሃንስ መኮነንን ወኪል ኢሕኣፓ ምኽትል ኣቦመንበር’ቲ ፓርት መጋቢ ብሉይ ኣብርሃም ሃይማኖት ካብ ዝተዘርበሎም ነጥብታት ሰላምን ፀጥታን ቀንዲ ምንባሮም ንድምጺ ኣመሪካ ገሊፆም። ወኪል ኢሕኣፓ ምኽትል ኣቦመንበር’ቲ ፓርት መጋቢ ብሉይ ኣብርሃም ሃይማኖት በቲ ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ዝተዋህበ ምላሽ ፓርቲኦም  ከምዘይዓገበ ተዛሪቦም’ለዉ። ብመንግስቲ ተዓዲሞም ኣብቲ ምይይጥ ካብ መንጎ  ዘይተረኽቡ ሓደ ኦፌኮ- ኦሮሞ ፌደራሊስት ኮንግረስ ሓደ ኮይኑ ኣቦ መንበር’ቲ ፓርቲ ፕሮፌሰር መረራ ጉዲና ከም ወትሩ እቶም ቀዳማይ ሚኒስተር ምስ ፓርትታት ፖሎቲካ ዝገብርዎ ምይይጥ ምስሉይን ሓሳበይ ጥራይ ስምዑ ዝንፀባረቀሉ’ዩ ኢሎም ከምዝኣምኑ’ዮም ተዛሪቦም። ቅድሚ’ዚ ምስቶም ቀዳማይ ሚኒስተር ዝተገብረ ምይይጥ ፖለቲካዊ ፓርትታት ክልላት ምስ ምምሕዳራት ክልላትን ከንቲባታት ከተማታትን፡ ሃገር-ለኸ ፓርትታት ከኣ ምስ ምክትል ፕረዚደንት ፓርቲ ብልፅግና ምምይያጦም ይፍለጥ።             ... ድምጺ ኣመሪካ 4 d
ኣብ ክልል ኣምሓራ ብሰንኪ ጎንጺ ኣብ ልዕሊ ኣስታት 400 ኣብያተ ትምህርቲ ጉድኣት ምብጽሑ ተገልሊጹ Public Domain  — ባህዳር — ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኣምሓራ ኣብ መንጎ ሓይልታት ፀጥታ መንግስትን ዕጡቃት ፋኖን ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ዓመት ዝጀመረ ጎንፂ ኣብ ዞባ ምብራቅ ጎጃም ኣብ ዝርከባ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ኣብያተ-ትምህርቲ ብዝወረደን ከቢድ ጉድኣት ከምዝተዓፅዋን ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑፀሩ ቆልዑ ካብ መኣዲ ትምህርቲ በዅሮም ምንባሮምን ተገሊፁ። ሓላፊ መምርሒ ትምህርቲ’ቲ ዞባ ኣቶ ጌታሁን ፈንቴ ኣብ ዞባ ምብራቅ ጎጃም ልዕሊ 400-ኣብያተ ትምህርቲ ከቢድ ጉድኣት ከም ዝወረዶምን ብሰንኪ’ቲ ዝተወለዓ ጎንፂ ከኣ ልዕሊ 500-ኣብያተ ትምህርቲ ካብ መስርሕ ምምሃር  ቦኺረን ምንባረን ንድምጺ ኣመሪካ ገሊፆም። ብሰንኪ’ዚ ከኣ ልዕሊ 600-ሽሕ ቆልዑ ናብ ቤት-ትምህርቲ ከም ዘይተመለሱን ንዓመታት ትምህርቶም ንክጅምሩ ምስቲ ሕብረተሰብ ብምዃን ወፍሪ ይካየድ ምህላው ወሲኾም ሓቢሮም። ድምፂ ኣመሪካ ዘዘራረቦም ተማሃሮን መማህራንን ብወገኖም ካብ ትምህርቲ ቦኺሮም ዝነበሩ ተማሃሮ ንዝተፈለለየ ማሕበራዊ ቅልውላው ተቃሊዖም ምንባሮም ተዛሪቦም። ናይ ሕቡራት ሃገራት ኣተሓባባሪ ሰብኣዊ ጉዳያት(ኦቻ) ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ ኣብ ዘውፅኦ ሪፖርት ኣብ ክልል ኣምሓራ ብዝቐፀለ ጎንፂን ቅድሚኡ ብዝነበረ ኵናት ሰሜን ኢትዮጵያ ክሳብ ወርሒ ሚያዝያ 4,178 ኣብያተ ትምህርቲ ተዓፅየን ምንባረን ኣብ ዝተፈላለያ ዞባታት ከኣ ኣስታት 300 ኣብያተ ትምህርቲ ጉድኣት ከም ዝወረደን ካልኦት 350 ከኣ ኣገልግሎት ከምዘይሃባን ገሊፁ ኔሩ’ዩ። ብመሰረት’ቲ ፀብፃብ ኣብ ምብራቅን ምዕራብን ጎጃም ከምኡ’ውን ዞባታት ደቡብ ጎንደር  ካብ ዝርከባ ኣብያተ ትምህርቲ 89% ዝኾና ተዓፅየን ከም ዝርከባን ኣብ ክልል ኣምሓራ ካብ ዝርከቡ ተማሃሮ’ቶም 35% ካብ ትምህርቲ በኵሮም ምህላዎምን ገሊጹ።      ... ድምጺ ኣመሪካ 4 d
ቢንያም ምስ ሓምላይ ማልያኡ -- ዓወት ንኣፍሪቃ Public Domain  — ኣስመራ — ሰንበት ኣብ ኒስ ፈረንሳ ዝተዛዘመ መበል 111 ዙር ፈረንሳ፡ ብሓፈሻ ዕዉት እቲ ውድድር ስሎቫንያዊ ታዴ ፖጋቻ ክኸውን እንከሎ፡ ድሕሪ ብጫ ማልያ ብኻልኣይ ኣብ እትስራዕ ቀጠልያ ማልያ ንገዛእ ርእሱን፡ ሃገሩን ኣህጉር ኣፍሪቃን ንፈለማ ዘግዘመ ኤርትራዊ ቢንያም ግርማይ ድማ ሓድሽ ታሪኽ ኣመዝጊቡ ኣሎ። በልጅማዊ ሮሜኮ ኢቫንፖል ናይ መንእሰያት ጻዕዳ ማልያ ክሽለም እንከሎ፡ ኢኳዶራዊ ሪቻርድ ካራፓዝ ድማ ኣንበሳ ዓቐብ ኰይኑ ውድድሩ ዛዚሙ ኣሎ። ድሕሪ ዓወቱ ምስ ጋንታኡ ኢንተርማርሸ ዘለዎ ጻንሖት ክሳብ 2028 ከም ዘናውሐ ሎሚ ሰኑይ ወግዓዊ ዝዀነ ቢንያም፡ ድሕሪ ነፍሲ-ወከፍ ዓወቱ ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ደገፍቲ ዝነበሮ ግብረ-መልሲ ኣብ ታሪኽ ኤርትራ ሳሕቲ ዝርአ ክስተት’ዩ ይብል ወኪል ድምጺ ኣመሪካ ካብ ኣስመራ።     ... ድምጺ ኣመሪካ 4 d
ቢንያም ግርማይ ዝቐልጠፈ ተቐዳዳሚ ቅጽበታዊ ውድድር ዙር ፈረንሳይ ኰይኑ ኣኽሊል ዓወት ደፊኡ Public Domain  — ዋሽንግተን ዲሲ — ድሕሪ ናይ ሎሚ ሰንበት ካብ ንግስትነት ሞናኮ ነቒሉ ኣብ ኒስ ፈረንሳይ ዝወድአ፡ 33.7 ኪሎሜተር ዝሸፈነ መበል 21 መድረኽ ዙር ፈረንሳይ፡ ብሓፈሻዊ ናይ ግዜ ስርርዕ ብስሎቫናያዊ ታዴ ፓጋቻ ክዛዘም እንከሎ፡ ንዝሓለፈ ሰለስተ መዓልቲ ወግዓዊ ከብካብ ጥራይ ተሪፉዎ ዝነበረ ኤርትራዊ ቢንያም ግርማይ ድማ ኣብ ግዜኡ ውድድሩ ድሕሪ ምዝዛሙ፡ ናይ ነጥቢ ዕዉት ኰይኑ ንቀጣልያ ማልያ ወኒኑ ኣሎ። ኣብቲ ናይ ሎሚ ሰንበት ናይ ውልቀ-ግዜ ውድድር፡ ዓወት ቢንያም ርግጽ ገይሮሞ ዝቐነዩ ኤርትራውያን ደገፍቱ ካበየ-ሃገራቱ ተኣኻኺቦም፡ ኣብ ከባቢ ዛዛሚ ሕንጻጽ ንመስመር ተዓዘብቲ ባንዴራ ኤርትራ እናበልበሉ ንቢንያም ዘለዎ ድጋፍ ክህቡ ይርኣዩ ነይሮም። ጓሉን በዓልቲቤቱን’ውን ኣብዚ ፍሉይ ጽንብል ንምክፋል ኣብ ኒስ ተረኺበን ውዒለን። ወግዓዊ ናይ ፈይስቡክ ገጽ ናይዚ ውድድር፡ ንናይ ውልቂ ግዜ ቢንያም ካብ መስመር ክብገስ እነከሎ፡ “ቢንያም ግርማይ ናይ ፈለማ ኣፍሪቃዊ ተዓዋቲ ቀጠልያ ማልያ ኴንካ ኣብ መዝገብ ታሪኽ ክትኣቱ 33.7 ኪሎሜተር ተሪፉካ ኣሎ፡” ኢሎም ጽሒፎምሉ። ፓጋቻ ተሸላሚ 500-ሽሕ ዩሮ ክኸውን እንከሎ፡ ቢንያምን ካልኦት ተመሳሳሊ ናይ ዓቐበትን መንእሰያትን ማልያ ዝወሰዱ ተቐዳዳምቲ’ውን ብተመሳሳሊ 25-ሽሕ ዩሮ ተሸሊሞም ኣለዉ። ኣብዚ ሰንበት ዝተዛዘመ መበል 111 ዙር ፈረንሳይ ኣብ ሓፈሻዊ ስርርዕ ሳልሳይ ዝወጽአ በልጅማዊ ሮሜኮ ኢቫንፖል ናይ መንእሰያት ጻዕዳ ማልያ ክሽለም እንከሎ፡ ኢኳዶራዊ ሪቻርድ ካራፓዝ ድማ ኣንበሳ ዓቐብ ኰይኑ ውድድሩ ዛዚሙ ኣሎ። ኣብ ሓፈሻዊ ስርርዕ ንፓጋቻ ተኸቲሉ ካልኣይ ዝወጽአን ናይ ዝሓለፈ ዓመት ተሸላሚ እዚ ውድድር ደንማርካዊ ጆናስ ቪንገጋርድ’ዩ። ናይ ዝሓለፈ ዓመት ዕዉት ቀጣልያ ማልያ በልጅማዊ ያስፐር ፊሊፕሰን፡ ካብ ቢንያም 33 ነጥቢ ድሒሩ ካልኣይ ኰይኑ ውድድሩ ዛዚሙ። ንዕኡን ንጋንታኡን ሓንቲ ናይ መድረኽ ዓወት ዓሊሙ ናብዚ ውድድር ዝኣተወ ቢንያም፡ ንርእሱ፡ ንጋንታኡን ንኻልኦት ተዓዘብቲን ብዘደንጸወ መንገዲ ንሰለስተ መድረኻት (3ይ፡ 8ይን መበል 12ን) ተዓዊቱ ኣብ ክልተ ድማ ካልኣይ ወጺኡ። ኣብቲ ክዕወትሉ ትጽቢት ዝተገብረሉ መበል 16 መድረኽ ሓደጋ ምውዳቕ ኣጋጢሙዎ ነቲ ሕልሙ ናብ ምዅላፍ ዝመስል ተርእዮ ሰጊሩ ግን ኣብቲ ዝቐጸለ መድረኽ ምስናይ ቃንዛኡን ነቲ ዝስዕቦ ዝነበረ ያስፐር ፊሊፕሰን ኣብ ቅጽበታዊ ውድድር ስዒሩ፡ ኣብቲ ውድድር በሊጹ ከም ዝወጽእ ቀልጢፉ ምልክት ሂቡ። ተቐዳደምቲ ዙር ፈረንሳይ 2024 ኣብ መንጎ ዝነበራ ክልተ መዓልታት ዕረፍቲ ገዲፍካ፡ ንዝሓለፉ 21 መዓልታት 3,498 ኪሎሜተር ሸፊኖም። ካብዚ እታ ዝነውሐት መድረኽ ዝነበረት ቢንያም ዝተዓወታላ ሳልሰይቲ መድረኽ’ያ ነይራ። ካብ ናይ ሎሚ ዓመት ፍሉይ ክብረ-ወሰናት፡ ን35 መድረኻት ዝተዓወተ ማርክ ካቫንድሽ ኣብ ታሪኽ እዚ ውድድር ዝበዝሐ ተዓዋቲ መድረኻት ኰይኑ ኣሎ። ብጠቕላላ 176 ተቐዳዳምቲ ሒዙ ዝተበገሰ ዙር ፈረንሳይ 2024፡ ቢንያም እቲ እንኮ ጸሊም ተወዳዳሪ’ዩ ነይሩ። ቢንያም ንውልቁ፡ ጋንታኡን ሃገሩን ሰጊሩ ንኣህጉር ኣፍሪቃ’ውን ወኪሉ ይወዳደር ስለ ዝነበረ እቲ ተጽዕኖ ቀሊል ዘይምዃኑ ድሕሪ’ቲ ውድድር ምስ ዩሮኒውስ ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መሕትት ጠቒሱ ነይሩ። እዚ ብጸዓዱ ተቐዳደምቲ ዝዕበለል ውድድር፡ ኣብ 2015’ዩ ንፈለማ እዋን ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ዳኒኤል ተኽለሃይማኖትን መርሃዊ ቅዱስን ንጸለምቲ ተቐዳደምቲ ኣሳቲፉ። ኣብ እዋኑ ዳኒኤል ተኽለሃይማኖት ንኣንበሳ ዓቐብ እትውሃብ ማልያ ብምልባስ ኣብቲ ውድድር ሓድሽ ክብረ-ወሰን ሰቢሩ’ዩ። ደጋጊሙ ነቲ ባዕሉ ዝተለሞ ክብረ-ወሰን ዝሰብር ዘሎ ቢንያም ግርማይ’ውን ኣብ ናይ ዝሓለፈ ዓመት እዚ ውድድር ሳልሳይ ብምውጻእ፡ ኣብ ፈላሚ እዚ ዓቢ ውድድር ናብ መድረኽ ዝደየበ ቀዳማይ ጸሊም ተቐዳዳሚ ኰይኑ’ዩ። ዕዉት ሓደ መድረኽ ጂሮ ኢጣልያ 2022 (ድሕሪ ዙር ፈረንሳይ ካልኣይ ዝስራዕ ዝዓበየ ውድድር) ዝዀነ ቢንያም ኣብ ናይ ባልጂዩም ሀንት ወልቨልሀም (Gent-Wevelgem) ዝተኸየደ ናይ ሓደ መዓልቲ ክላሲክ ዙር ቀዳማይ ብምውጻእ’ውን ኣብቲ ዓቢ ስም ዘለዎ ውድድር ናይ ፈላሚ ኣፍሪቃዊ ዕዉት ኰይኑ ክብረ-ወሰን ሰቢሩ’ዩ። ቅድሚ ሕጂ ኣብ ዙር ፈረንሳይ ጸዓዱ ደቡብ ኣፍሪቃውያን ሮበርት ሃንተርን ዳርሊ ኢምፐይን’ዮም ዕዉታት መድረኽ ኰይኖም ዘለዉ። ንሓፈሻዊ ናይ ነጥቢ ውድድር ቀዳማይ ክወጽእ ግን ካብ ኣፍሪቃ ቢንያም ንፈለማኡ’ዩ። ቢንያም ኣብቲ 26 ሓምለ (ድሕሪ 5 መዓልታት) ዝጅምር ኦሎምፒክ ፓሪስ ንኤርትራ ወኪሉ ክስታፍ’ዩ።   ... ድምጺ ኣመሪካ 5 d
ቢንያም ንቐጣልያ ማልያ ኣረጋጊጹ፡ ጽንብል ጥራይ ይተርፎ Public Domain  — ዋሽንግተን ዲሲ — ኣብ ናይ ሎሚ ቀዳም መበል 20 መድረኽን ተሪር ዓቐበትን ዝነበሮ ኣዝዩ በዳሂ ውድድር ዙር ፈረንሳይ ብዓወት ታዴ ፖካቻ ክዛዘም እንከሎ፡ ኤርትራዊ ቢንያም ግርማይ ድማ ኣብ ሰዓቱ ስለ ዝኣተወን ኣብ መንጎ’ቶም ንቐጣልያ ማልያ ዝወዳደሩ ቢንያምን ያስፐር ፊሊፕሰንን ለውጢ ስለ ዘየሎ፡ ቢንያም ንቐጣልያ ማልያ ኣውሒሱ ኣሎ። ኣብዚ ናይ ሎሚ 132.8 ኪሎሜተር ዝሸፈነ መድረኽ፡ ንፖጋቻ ስዒቦም ጆናስ ቪንገጋርድን ሪቻርድ ካራፓዝን ካልኣይን ሳልሳይን ኣትዮም ኣለዉ። ቢንያም ኣብቲ ናይ ሎሚ ውድድር ምስ ደቂ ጋንታኡ ኢድ ንኢድ ተተሓሒዙ’ዩ ናብ ዛዝሚ ሕንጻጽ ኣትዩ። ኣእንገድቲ እቲ ውድድር’ውን ዕዉት ድምር ነጥቢ ናይ መበል 111 ዙርያ ዙር ፈረንሳይ ኢሎም ድሮ ኣጠሚቐሞ ኣለዉ። ጽባሕ ናይ ውልቂን ናይ ግዜ ውድድር ስለ ዝዀነ፡ ዋላ’ውን ፊሊፕሰን ነቲ መድረኽ እንተ ተዓወተሉ፡ 20 ነጥቢ ጥራይ ስለ ዘውህብ ነቲ ዘለዎም 33 ነጥቢ ፍልልይ ከርክቦ ኣይክእልን’ዩ። ናይ ሰንበት ዛዛሚት መድረኽ እምበኣር፡ ንቢንያም ብሰላም ነቲ ውድድር ምዝዛም ጥራይ’ያ እተድልዮ። ኣብ ሰለስተ መድረኻት ቀዳማይ፡ ኣብ ክልተ ድማ ካልኣይ ዝወጽአ ቢንያም ግርማይ፡ ነዚ ዘውዲ’ዚ ዝደፍአ ፈላሚ ጸሊም ተቐዳዳሚ ኰይኑ ክብረ-ወሰን ሰቢሩ ኣሎ። ብቐንዱ’ውን ኣብዚ ውድድር እቲ እንኮ ጸሊም ተቐዳዳሚ’ዩ ነይሩ። ድሕሪ ናይ ሎሚ መበል 20 መድረኽ እምበኣር፡ ታዴ ፓጋቻ ብጫ ማልያ ብሓፈሻዊ ስርርዕ፣ ቢንያም ግርማይ ቀጣልያ ማልያ ናይ ቅጽበታዊ ውድድርን ነጥቢን፣ ካራፓዝ ኣንበሳ ዓቐብ፣ ኢቫንፖል ድማ ናይ መንእሰያት ጻዕዳ ማልያ ለቢሶም ኣለዉ። ብጋንታ ነዚ ውድድር ትዕብልሎ ዘላ ኢማራትስ’ያ። ጽባሕ ሰንበት ዛዛሚ ናይ ግዜ መድረኽ 33.7 ኪሎሜተር ዝሽፍን ኰይኒ ኣብ ከተማ ኒስ ዝግበር መዛዘሚ ጽንብል’ውን ይርከቦ። በዚ ምኽንያት ከኣ’ዮም ኣብ ኣብቲ ነዊሕ ጉዕዞ ድጋፎም ከርእዩ ዝቐነዩ ኤርትራውያን ተወዳዲቦም ናብታ ናይ መወዳእታ መድረኽ እተእንግድ ከተማ ዘምርሑ ዘለዉ። በዓልቲቤት ቢንያምን ጓሎምን’ውን ኣብቲ ዛዛሚ መድረኽ ይጽበየኦ ከም ዘለዋ ተፈሊጡ ኣሎ። ... ድምጺ ኣመሪካ 6 d
ኢትዮጵያ፡ ኣስታት 15-ሽሕ ተመዛበልቲ ናብ መንበሪኦም ምምላሶም ተገሊጹ Public Domain  — ደሴ — ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ዝነበረ ኲናት ስዒቡ ይነብርሉ ካብ ዝነበረ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ወረዳታት ራያ ኣላማጣን ራያ ባላን ከምኡ'ውን ካብ ከተማ ኣላማጣ ተመዛቢሎም ዝነበሩ ሰባት ናብ መንበሪታቶም ናይ ምምላስ ስራሕ ምጅማሩ ዋና ኣመሓዳሪ ዞባ ደቡብ ክልል ትግራይ ሃፍቱ ኪሮስ ንድምፂ ኣመሪካ ተዛሪቦም።   ንሶም “ኣብ ዝሓለፉ ክልተ መዓልታት ጥራሕ ልዕሊ 15 ሽሕ ዝኾኑ ተመዛበልቲ ክምለሱ ምኽኣሎም” ወሲኾም ሓቢሮም።  ይኹንምበር ኣብ ሞንጎ ክልላት ትግራይን ኣምሓራን ንሕቶታት መንነትን ርእሰ-ምምሕዳርን ካብ ዝለዓለሎም ከባቢታት ዝኾነ ከተማ ኣለማጣ ድሕሪ ምዝዛም እቲ ኲናት ኣብትሕቲ ክልል ኣምሓራ ኮይኑ ብምምሕዳር እቲ ክልል ሓገዝ በጀት ተሰሊዑሉ ክመሓደር ዝፀንሐ መዋሰኒ ከባቢ ኮይኑ ግዝያዊ ኣመሓዳሪ ከንቲባ ሃይሉ ኣበራ ነቲ ናይ ምምላስ ስራሕ ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዝገብሮ ዘሎ ምንቅስቃስ “ንስምምዕ ሰላም ዝጠሓሰ እዩ” ክብሉ ኮኒኖምዎ። ንሶም “ እቶም ዝምለሱ ዘለዉ ብሽም ተመለስቲ ዕጡቃት ህወሓት እዮም። ከምኡ'ውን ህወሓት ንሙሉእ እታ ከተማ ተቆፃፂሩዋ ከምዝርከብን እዚ ድማ ንነበርቲ ናብ ሓደጋ ዘእቱ ናይ ፀጥታ ፀገም ከስዕብ ዝኽእል'ዩ” ክብሉ'ውን ተቃውሞኦም ይገልፁ።  ኣቶ ሃፍቱ ኪሮስ ግን እቲ ናይ ምምላስ ስራሕ ምስ መንግስቲ ፊደራል ብዝተበፅሐ ስምምዕነት ይፍፀም ምህላዉ ብምግላፅ ነቲ ኣብ ልዕሊ ክልላዊ መንግስቶም ዝለዓል ነቀፌታ ይነጽጉ።  ካብ ክልቲኦም ወገናት ንዝለዓሉ ሓሳባት ሒዝና ካብ መንግስቲ ፌደራልን ርእይቶ ንምርካብ ናብ ሚኒስትሪ ኣገልግሎት ኮሚዩኒኬሽን ዶ/ር ለገሰ ቱሉ ዝገበርናዩ ናይ ስልኪ ፈተነ ኣይሰለጠናን። ብወገን ክልል ኣምሓራውን ስጋብ እዚ ዜና ዘዳለውናሉ እዋን ዝረኸብናዩ መልሲ የለን።   ምኽትል ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ሌተናል ጀነራል ታደሰ ወረደ ቅድሚ ሎሚ ካብ ሓይሊ ምክልኻል ፌደራል ወፃኢ ዘለዉ ዕጡቃት ኩሎም ክወፁ፣ ተወለድቲ እቲ ኸባቢ ኮይኖም ድማ ቅድሚ 2013 ዓ/ም ዕጡቃት ምልሻ ዝነበሩ ግን ምስ ዕጥቆም ክፀንሑ ከምዝግበር ድምፂ ኣመሪካ ፀብፂቡ ምንባሩ ይዝከር ።  ብዝተሓሓዝ ኣብ ባህርዳር ብመንግስቲ ክልል ኣምሓራ ዝተዳለወ ካብ ኩለን ክልላት ዝተዓደሙ ተሳተፍቲ ተረኺቦሙሉ ዝተባህለ “ዋዕላ ሰላም” መንግስቲ ጎንፂ ጠጠው ንምባል ንስምምዕ ሰላም ፕሪቶሪያ ተግባራዊ ንኽኸውን “ብሓይሊ ናብቲ ኸባቢ ኣትዮም ዝበሎም ዕጡቃት ህወሓት ንኽወፁ ክገብር ይግባእ" ክብሉ ብዓል 10 ነጥቢ መግለፂ መርገጺ ምውፀኦም ዝዝከር እዩ።    ... ድምጺ ኣመሪካ 1 w
ታሪኽ ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ -- ዕላል ምስ መዋእል መሃንሾ Public Domain  — ዋሽንግተን — ምስ መግዛእቲ ጣልያን ናብ ኤርትራ ዝተኣታተወ ታሪኽ ቅድድም ብሽክለታ፡ ነዊሕ ሰረትን ህዝባዊ ድጋፍን ዘለዎ ዓይነት ስፖርት’ዩ። ንሱን ካልእ ምኽንያታትን እምበኣር’ዩ ኤርትራያውን ተቐዳደምቲ ኪንዮ ኣብ ኣፍሪቃ ዝስራዕ ውድድራት፡ ሕጂ ናብ ዝዓበየ መድረኻት ተሳቲፎም’ውን ታሪኽ ዘመዝግቡ ዘለዉ። በዚ ኣጋጣሚ እምበኣር ኣብዚ ጉዳይ መጽሓፍ ዝጸሓፈን ንቢንያም ግርማይ ፈለማ ናብ ውድድር ማውንቴን ባይክ ዝዓደመን መዋእል መሃንሾ ኣዘራሪብና ኣሎና። ... ድምጺ ኣመሪካ 1 w
ቃለ-መሕትት ምስ ፍሉይ ልኡኽ ማይክ ሃመር Public Domain  — ዋሽንግተን — "ድሕሪ 20 ኣዋርሕ ኣብ ክልል ትግራይ ድምጺ ተኹሲ ኣይስማዕን ዘሎ። እዚ ኣዝዩ ኣገዳሲ ነገር እዩ። መንግስቲ ኢትዮጵያን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ኣብ ፕሪቶርያ ዝኸተምዎ ውዕል ኣገዳሲ ከምዝኾነ ዝጠቅሱ ፍሉይ ልኡኽ  ኣመሪካ ንጉዳያት ቀርኒ ኣፍሪቃ ማይክ ሃመር፣ እቲ ዝነበረ ኵናት፣ ናይ ዓለምና ኣዝዩ ደማዊ ኵናት እዩ ነይሩ ክብሉ ምስ ድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ገሊጾም ኣለው።     ... ድምጺ ኣመሪካ 1 w
ታሪኽ ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ -- ዕላል ምስ መዋእል መዓሾ Public Domain  — ዋሽንግተን — ምስ መግዛእቲ ጣልያን ናብ ኤርትራ ዝተኣታተወ ታሪኽ ቅድድም ብሽክለታ፡ ነዊሕ ሰረትን ህዝባዊ ድጋፍን ዘለዎ ዓይነት ስፖርት’ዩ። ንሱን ካልእ ምኽንያታትን እምበኣር’ዩ ኤርትራያውን ተቐዳደምቲ ኪንዮ ኣብ ኣፍሪቃ ዝስራዕ ውድድራት፡ ሕጂ ናብ ዝዓበየ መድረኻት ተሳቲፎም’ውን ታሪኽ ዘመዝግቡ ዘለዉ። በዚ ኣጋጣሚ እምበኣር ኣብዚ ጉዳይ መጽሓፍ ዝጸሓፈን ንቢንያም ግርማይ ፈለማ ናብ ውድድር ማውንቴን ባይክ ዝዓደመን መዋእል መዓሾ ኣዘራሪብና ኣሎና።  ... ድምጺ ኣመሪካ 1 w
ድሕሪ መድረኽ 19 -- ቢንያም ፍልልይ ነጥቡ ይዕቅብ ንምውናን ቀጠልያ ማልያ ይቀራረብ Public Domain  — ዋሽንግተን — ሎሚ ኣብ ዝተኻየደ 144.6 ኪሎሜተር ዝሸፈነ መበል 19 መድረኽ ዙር ፈረንሳ ንሓፈሻዊ ስርርዕ ዝመርሕ ዘሎ ታደይ ቦካቻ ብምዕዋቱ መሪሕነቱ ናይ ግዜ ፍልሉይን ኣግፊሑ ኣሎ። ኣብዚ ናይ ሎሚ መድረኽ ኣመሪካዊ ማቲዮ ዮርገንሰን ካልኣይ ክወጽእ እንከሎ፡ እንግሊዛዊ ሳይሞን ዪትስ ድማ ሳልሳይ ኣትዩ። ኤርትራዊ ተሰላፊ ጋንታ ኢንተርማርሸ ቢንያም ግርማይ ብወገኑ ኣብ ግዜኡ ነቲ ውድድር ስለ ዝዛዘሞን ኣብ ቅጽበታዊ ውድድር ንሱ ኮነ ንቐጠልያ ማልያ ዝስዕቦ ዘሎ ያስፐር ፊሊፕሰን ነጥቢ ስለ ዘየምጽኡ፡ እቲ ዝጸንሖም ናይ ነጥቢ ፍልልይ ኣብ ቦታኡ፡ ማለት ብ33 ነጥቢ፡ ቀጺሉ ኣሎ። በዚ መሰረት ከኣ ቢንያም ነታ ካብ ሓሙሻይ መድረኽ ኣትሒዙ ዝተረከባ ቀጠልያ ማልያ ናብ መዛዘሚ የብጽሓ ኣሎ። ቢንያም ድሕር መውደቕቱ’ውን ኣብዚ ጸወታ ጽቡቕ ይግስግስ ስለ ዘሎ፡ ነዚ ክልተ መድረኻት ጥራይ ተሪፉዎ ዘሎ ውድድር ዙር ፈረንሳይ ብውህሉል ነጥቢ ዝዕወተሉ ይመስል። ሕጂ ዝጽበዮ ዘሎ ኣብ ግዜ ነቲ ውድድር ምዝዛም ጥራይ ይመስል። ኣብቲ ሰንበት ብናይ ግዜ ውድድር ዝዛመም ዙር፡ ተወዳደርቲ ጽባሕ ቀዳም ሓያል ዓቐበት ዝርከቦ 132.8 ኪሎሜተር ይጽበዮም።     ... ድምጺ ኣመሪካ 1 w
ምህዞ መናእሰይ ኣብ ቴክኖሎጂ ሕርሻ    Public Domain  — ኣዲስ ኣበባ — ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ምህዞ ቴክኖሎጂ ሕርሻ ዘድሃበ ውድድር ተገይሩ ነይሩ። እቲ ብኣህጉራዊ ትካልን ምትሕብባር ሚኒስትሪ ዕዮን ክእለትን ኢትዮጵያን ዝተኻየደ ውድድር፡ መንእሰያት ኣብ ጽላት ሕርሻ ዘገልግል ምህዞ ንከቕርቡ ዝዕድም’ዩ። ኣብቲ ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሳልሳይ ንዝወጽኡ ብድምር ናይ 20-ሽሕ ዶላር ሽልማት ዘውሃበ ኣጋጣሚ ዝተረኽበ ወኪል ድምጺ ኣመሪካ ንመደብ መንእሰያት ኣዳልይዎ'ሎ። ... ድምጺ ኣመሪካ 1 w
18 መድረኽ ዙር ፈረንሳይ -- ሕክምናዊ ሓገዝ እናተገብረሉ ውድድሩ ዝዛዘመ ቢንያም መሪሕነቱ ዓቂቡ Public Domain  — ዋሽንግተን ዲሲ — ሎሚ ሓሙስ ኣብ ዝተኻየደ መበል 18 መድረኽ ዙር ፈረንሳይ፡ ብዓወት በልጅማዊ ቪክቶር ፓምፐነር ክዛዘም እንከሎ፡ ንዕኡ ስዒቦም ድማ ፈረንሳዊ ማትዮ ቨርቸን ፖላንዳዊ ሚካል ኪቭስኮውስኪ ካልኣይን ሳልሳይን ተርታ ኣትዮም። ተሰላፊ ጋንታ ኢንተርማርሸ ኤርትራዊ ቢንያም ግርማይ ኣብ ናይ ሎሚ ሓሙስ ውድድር ነጥቢ ከይወሰኸን ከይጥፍአን ውድድሩ ብሰላም ምዝዛሙ ነቲ ለቢሱዋ ዝኣተወ ቀጠልያ ማልያ ዓቂቡ፡ ንምውናና ዘለዎ ቅርበት ድማ እናረጋገጸ ይመጽእ ኣሎ።  ኣብቲ 179.5 ኪሎሜተር ዝሸፈነ ናይ ሎሚ መድረኽ፡ ብቕድሚ ትማሊ ሓደጋ ምውዳቕ ዘጋጠሞ ቢንያም፡ ገና ቍስሉ ከይሓወየ’ዩ ውድድሩ ዝቕጽል ዘሎ። ቢንያም ኣብ መንጎ ውድድር ብሓካይም ጋንታኡ ሕክምናዊ ሓገዝ እናተገብረሉ ይርአ ነይሩ። ሎሚ ኣብ ዝነበር ቅጽበታዊ ውድድር ቢንያምን ዝስዕቦ ዘሎ ያስፐር ፊሊፕሰንን ዝዀነ ነጥቢ ስለ ዘየመዝገቡ ኣብ ተራታ ዝተለወጠ የሎን። ኣብዚ ሰለስተ መድረኻት ተሪፉዎ ዘሎ ውድድር ዙር ፈረንሳይ ድማ ቢንያም ንፊሊፕሰን ብ33 ነጥቢ ቀዲሙ ብውህሉል ነጥቢ ይመርሖ ኣሎ። ድሕሪ መበል 18 መድረኽ ኣብ ሓፈሻዊ ተርታ ስርርዕ ተቐዳደምቲ ዝተለወጠ የሎን። ፖጋቻ ብሓፈሻዊ ስርርዕን ግዜን መሪሑ ብጫ ማልያን ናይ ዓቐበት ማልያን ለቢሱ ኣሎ። በልጅማዊ ረምኮ ኢቫንፖል ናይ መንእሰያት ጻዕዳ ማልያ ክለብስ እንከሎ፡ ቢንያም ድማ ናይ ውህሉል ነጥቢ ቀጣልያ ማልያ ኣብ ዝባኑ ኣላ። ጽባሕ ዓርቢን ቀዳምን ተቐዳደምቲ ናይ 144.6 ከምኡ’ውን 132.8 ዝሽፍን ተሪር ዓቐበት ዘለዎ መድረኽ ይጽበዮም ኣሎ። መዛዘሚ ሰንበት ናይ ውልቂ ውድድር ስለ ዝኸውን ኣብ መንጎ ቢንያምን ዝስዕቦ ዘሎ ያስፐር ፊሊፕሰንን ለውጢ ክመጽእ ዝኽእል ኣብዘን ዝቕጽላ ክልተ መዓልታት’የን። እንተዀነ ኣብኣተን’ውን እቲ ዘሎ ቅጽበታዊ ውድድር ድሕሪ ምሕኳር ዓቐበት ስለ ዝኸውን ከም ናይ ሎሚ ክልተኣቶም ተወዳደርቲ ብዘይ ነጥቢ ክወጽኡ ከም ዝኽእሉ ይግመት። ... ድምጺ ኣመሪካ 1 w
ኩነታት ዝተጨወዩ ተምሃሮ ዩኒቨርሲቲ ደባርቅ ከምዘተሓሳስቦም ናጻ ምውጽኦም ዝገልጹ ተማሃሮ ሓቢሮም Public Domain  — ባህርዳር — ደሕንነት እቶም ቅድሚ ክልተ ሰሙን ኣቢሉ ኣብ ጥቃ ገርበ ጉራቻ ክልል ኦሮምያ ብዕጡቓት ዝተጨወዩ ተማሃሮ ዩኒቨርሲቲ ደባርቅ ከምተሓሳሰቦም፣ ኣብ’ዚ ቀረባ ገንዘብ ከፊሎም ነጻ ምውጽኦም ዝገልጹ ተማሃሮ ሓቢሮም። ንድሕነትና ንሰግእ ኢና ብምባል መንነቶም ክዕቀበሎም ዝሓተቱ ተማሃሮ ብዕጡቃት ሸኔ ተጨውዮም ከምዝቀነዩን፣ ካብ 300 ክሳብ 400 ሽሕ ቅርሺ ገንዘብ ተኸፊሉሎም ናጻ ከምዝወጹን ይሕብሩ። ኣብ ዝተጨወይሉ እዋን ብዙሕ ማህረምቲን ምግልታዕን  ከምዘጋጠሞም ዝሕብሩ ተማሃሮ፣ ሎሚ’ውን ኣብ ትሕቲ’ቶም ጨወይቲ ኣለው ዝብልዎም 67 ተማሃሮ ኣብ ትሕቲ ከቢድ ስቃይ ኣለው ብምባል  ኩነታቶም ከምዘተሓሳስቦም ገሊጾም። እዚ ከምዚ’ሉ ከሎ መናእሰይ ወላይታ ሶዶ ነቶም ዝተጨወዩ ተማሃሮ ንምፍታሕ  ገንዘብ የትኣኻኽቡ ከምዘለው ዝመጸ ዜና ሓቢሩ። መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ መብዛሕተኦም ዝተጨወዩ ከምዘፍተሐ ገሊጹ እዩ። ገንዘብ ተኸፊሉልና ኢና ተፈቲሕና ዝብሉ ተማሃሮ ግና መንግስቲ ነቶም ዝተጨወዩ ናጻ ንምውጻእ ዝገበሮ ጻዕሪ የለን ይብሉ። መንግስቲን እቶም ተማሃሮን ‘ሸኔ’ ኢሎም ናይ ዝገልጽዎ ሰራዊት ነጻነት ኦሮሞ ወሃቢ ቃል ብወገኑ እቲ ይዝረበሉ ዘሎ ጭወያ ከምዘይፈጸመን፣ ብኣንጻሩ ‘ድኽመት መንግስቲ እዩ ተሓታቲ’ ከምዝበለ ወኪል ድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዘዳለወቶ ጸብጻብ ትሕብር። ... ድምጺ ኣመሪካ 1 w
ኣብ መዓስከር ኩመር 10 ኣባላት ፖሊስ ብዕጡቓት ምቕታሎም ሕ/ሃገራት ኣፍሊጡ Public Domain  — ኣዲስ ኣበባ — ኣብ መዓስከር ኩመር ዞባ ጎንደር ካብ ዝርከቡ ኣባላት ሓለዋ ፖሊስ 10 ብዕጡቓት ምቕታሎም ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ። እቲ ፍጻመ ትማሊ ረቡዕ ንግሆ ዘጋጠመ ኰይኑ፡ ዛጊት መንነቶም ዘይተነፀር ዕጡቓት ኣብ ልዕሊ’ቶም ንሓለዋ ተዋፊሮም ዝነበሩ ኣባላት ፖሊስ መጥቃዕቲ ምፍጻሞምን ኻልኦት ዝቖሰሉንን ዝተጨወዩን ከምዘለዉ'ውን ዝበጽሓና ዜና ይሕብር። መብዛሕትኦም ሱዳናውያን፡ ኤርትራውያንን ደቡብ ሱዳናውያንን ስደተኛታት ዝርከቡሉ መዓስከር ኩመር፡ ቅድሚ ሎሚ ዘለዎም ስጋኣት ፀጥታ ደጋጊሞም ከስምዑ ምጽናሖም ዝዝከር’ዩ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።   ... ድምጺ ኣመሪካ 1 w
ኣሰልጣኒ ሳምሶም ሰሎሞን ኣብ ጉዳይ ቢንያም ግርማይ Public Domain  — ኣስመራ — ህቡብ ተቐዳዳሚ ብሽክለታን ዳሕራይ ኣሰልጣኒት ሃገራዊት ጋንታ ቅድድም ብሽክለታ ዝዀነ ሳምሶም ሰሎሞን፡ ካብቶም ንፍሉይ ተውሃቦ ቢንያም ግርማይ ቀዲሞም ዘለለዩዎ ኣሰልጠንቲ ሓደ’ዩ። ሳምሶም ኣብ በበይኑ ናይ ፈለማ መድረኻት ንቢንያም ከም ዝኣልዮን ሞያዊ ምኽሪ ከም ዝህቦን ኣቦ ቢንያም -- ኣቶ ግርማይ ሃይሉ -- ኣብ ቃለ-ምልልሱ ጠቒሱ ነይሩ። ቢንያም ግርማይ ኣብ ፈረንሳ ዓበይቲ ዓወታት የመዝገበሉ ኣብ ዘሎ እዋን እምበኣር ነዚ ዝኻይድ ዘሎ ውድድርን ሓፈሻዊ ኩነታት ቅድምም ብሽክለታን ኤርትራ ኣመልኪትና ንሳምሶም ሰሎሞን ሓጺር ቃለ-መሕትት ኣካዪድናሉ ኣሎና። ... ድምጺ ኣመሪካ 1 w
ኣብ ምምሕዳር ዋግህምራ 5 ሰባት ብሕማም ተምላስን ውጽኣትን ምሟቶም ቤት ጽሕፈት ጥዕና'ቲ ዞባ ገሊጹ Public Domain  — ባህርዳር — ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ምምሕዳር ዋግ ህምራ፣ ኣብ ሰለስተ ወረዳታት ብሰንኪ ዝተራእየ ሕማም ውጽኣትን ተምላስን፣ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን ሓሙሽተ ሰባት ከምዝሞቱን 262 ሰባት ከምዝሓመሙን፣ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ጥዕና’ቲ ዞባ ገሊጾም። ንድምጺ ኣመሪካ ርእይቶ ዝሃቡ ኣቶ ኣሰፋ ነጋሽ ተወሳኺ መርመራ ንምክያድ መርኣዪ ናብ ናይ’ቲ ክልል ትካል ጥዕና ማሕበረሰብ ከምዝተላኣኸ ሓቢሮም። ኣመሓዳሪ ቀበሌ ቢላዛ ኣቶ ማለደ ብሬ ብወገኖም፣ ኣብ’ቲ ቀበሌ ኣርባዕተ ሰባት ምሟቶምን ብርክት ዝበሉ ካልኦት ድማ ከምዝሓመሙን ጠቂሶም ። ... ድምጺ ኣመሪካ 1 w
መበል 17 መድረኽ ዙር ፈረንሳይ -- ቢንያም ግርማይ መሪሕነት ነጥቡ ኣደልዲሉ Public Domain  — ዋሽንግተን ዲሲ — 177.8 ኪሎሜተር ዝሸፈነ መበል 17 መድረኽ ዙር ፈረንሳይ ብዓወት ኢኳዶራዊ ሪቻርድ ካርፓዛ ክዛዘም እንከሎ፡ ካልኣይ እንግሊዛዊ ስይሞን ዪትስ፡ ሳልሳይ ድማ ስጳኛዊ ኤሪክ ማስ ክዛዘም እንከሎ ቢንያም ግርማይ’ውን መሪሕነት ነጥቡ ኣደልዲሉ ኣሎ። ትማሊ ሰሉስ ኣብ መበል 16 መድረኽ ሓደጋ ምውዳቕ ዘጋጠሞ ኤርትራዊ ተቐዳዳሚ ብሽክለታ ቢንያም ግርማይ፡ ኩነታቱ ተመሓዪሹ ኣብ ናይ ሎሚ መበል 17 መድረኽ ተሳቲፉ ውዒሉ። ኣብ መንጎ ኣብ ዝነበረት ቅጽበታዊት ውድድር፡ ቢንያም ነቲ ኣብ ቀጠልያ ማልያ፡ ብውህሉል ነጥቢ ዝስዕቦ ዘሎ በልጅማዊ ያስፐር ፊሊፕሰን ቀዲሙ፡ ንፍልልያቶም ብሓንቲ ነጥቢ ኣስፊሑ። ኣብቲ ቅጽበታዊ ውድድር ቀዲሞም ዝነበሩ ጉጅለ ካብ ቀዳማይ ክሳብ ራብዓይ ተራ ክማቐሉዎ እንከለዉ፡ ኣብታ ካልኣይቲን ተጠማቲትን ጉጅለ ግን ቢንያም ነቲ ዕዉት ናይ ትማሊ መድረኽ ዝዀነ ፊሊፕሰን ቀዲሙ ብምእታው 11 ነጥቢ ረኺቡ። ኩነታቱ ኣብ ርጉእ ከም ዘሎ ኣረጋጊጹ ኣሎ። ኣብ መድረኽ 17 ብሰላም ውድድሩ ዝዛዘመ ቢንያም፡ ብውህሉል ነጥቢ 387 ክመርሕ እንከሎ፡ ንዕኡ ዝኽተሎ ዘሎ በልጂማዊ ያስፐር ፊሊፕሰን ድማ ብ33 ነጥቢ ድሒሩ ብ354 ነጥቢ ይስዕብ ኣሎ። ድሕሪ ናይ ሎሚ መበል 17 መድረኽ፡ ነዚ ውድድር ብሓፈሻዊ ናይ ግዜ ስርርዕን ብጫ ማልያን ታደይ ፖጋቻ ይመርሖ ኣሎ። ፖካጋቻ ብተመሳሳሊ ንኣንበሳ ዓቐብ እትውሃብ ማልያ'ውን ኣብ ዝባኑ'ያ ዘላ። ናይ ነጥቢ ቀጣልያ ማልያ ምስ ቢንያም፡ ናይ መንእሰያት ጻዕዳ ማልያ ድማ ኣብ ዝብን ኢቨንፖል ይርከባ። ብጋንታ ነዚ ውድድር ዓብሊላ ዘላ ኢማራትስ'ያ። ... ድምጺ ኣመሪካ 1 w
ቃለ መጠይቕ ምስ ሄኖክ ሙሉብርሃን ተዓዋቲ 2024 ቐጠልያ ማልያ ዙር ኪንግሃይ ቻይና Public Domain  — ዋሽንግተን — ተዓዋቲ ናይ ነጥቢ ቀጠልያ ማልያ ዙር ኲንግሃይ ሌክ 2024 ሄኖክ ሙሉብርሃን: ኣብ መዛዘሚ 8ይ መድረኽ ሄኖክ 6ይ ደረጃ ሒዙ ምስ ብሉጻት ተቀዳደምቲ ድሕሪ ምዝዛም፡ ተዓዋቲ ቀጠልያ ማልያን 2ይ ደረጃ ኣብ ናይ ኣንበሳ ዓቐብ ማልያን ኣብ ሓፈሻዊ ድምር ናይ ግዜ ብጫ ማልያ ካኣ 4ይ ደረጃ ሒዙ ውድድሩ ዛዚሙ።  ብዛዕባ ዙር ኵንግሃይ ኣዘራሪብናዮ ኣለና። ... ድምጺ ኣመሪካ 1 w
50 ዓመታት ዘቝጸረት ማተሳኣ፣ ፌስቲቫል ኮሚኒቲ ጸንቢላ Public Domain  — ዋሽንግተን — ኣብ 1974 ብኣቆጻጽራ ኣውሮጳ ዝተመስረተት ማሕበር ተጋሩ ሰሜን ኣመሪካ፣ መበል 50 ዓመት ምስረታኣ ኣብ ኣትላንታ ጂርጅያ ኣኽቢራ ኣላ። ኣብ ዕለት ምስረታኣ፣ ኣብ’ቲ ቅድሚ ሓምሳ ዓመት ዝተኻየደ መስራቲ ኣኼባ መናእሰያት፣ ኣርባዕተ ካብ ዲትሮይትን ሚሽገንን  ክልተ ካብ ኒውዮርክ፣  11 ድማ ካብ ዋሽንግተን ዲሲ ተሳቲፎም ከምዝነበሩ መርበብ ሓበሬታ’ታ ማሕበር ይሕብር። ብምኽንያት መበል ሓምሳ ዓመት ምስረታ ማተሳኣን ዓመታዊ ፌስቲቫልን ኣትላንታ ጂርጅያን ብዝምልከት ኣባል መሪሕነትን ወደብቲን ዝኾኑ ሄለን ግደይን ኤልያስ ጎደፋይን፣ ከምኡ’ውን ካብ መናእሰይ ሓፍቶም ወልዱን ኣዘራሪብናዮም ኣለና። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።     ... ድምጺ ኣመሪካ 1 w
መበል 16 መድረኽ ዙር ፈረንሳይ፤ ቢንያም ግርማይ ሓደጋ መውደቕቲ ኣጋጢሙዎ፡ ፊሊፕሰን ተዓዊቱ Public Domain  — ዋሽንግተን — ሎሚ ሰሉስ ኣብ ዝተኻየደ መበል 16 መድረኽ ዙር ፈረንሳይ፡ በልጅማዊ ያስፐር ፍሊፕሰን ነቲ መድረኽ ክዕወት እንከሎ፡ ሓደጋ ምውዳቕ ዘጋጠሞ ኤርትራዊ ቢንያም ግርማይ ከኣ ብደቂ ጋንታኡ ተሓጊዙ ውድድሩ ዛዚሙ ኣሎ። ድሕሪ'ቲ ውጽኢት መርመራን ፈላሚ ሕክምናን ቢንያም ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ብርኩን ኵርናዕ ኢዱን ከም ዝተሃርመን መስፈይቲ'ውን ከም ዘለዎን ጠቒሱ። እንተዀነ ሓሳባቱ ክሳብ መወዳእታ ብሰላም ነቲ ውድድር ክዛዝሞ ምዃኑ ንጋዜጠኛታት ሓቢሩ። ቢንያም ኣብ መግለጺኡ፡ ሕጂ ብመጠኑ ኣብ ዝተረጋግአ ኩነታት ከም ዘሎ ብምጥቃስ፡ ከመይ ክኸውን ከም ዝኽእል ግን ጽባሕ ዝያዳ ግንዛበ ክህሉዎ ምዃኑ ነጊሩ። ናይ ማልያ ከይሓሰበ ውድድሩ ብሰላም ንምዝዛም ከም ዝሓልም'ውን ቢንያም ኣብሪሁ ኣሎ። ቢንያም ድሒሩ ኣብ ዝተገብረሉ ሕክምናዊ መርመራ መስበርቲ ከም ዘይብሉ ብምጥቃስ፡ ንናይ ጽባሕ ውድድር ድሉው ከም ዘሎ ጋንታኡ ኣብ ዘውጽኣቶ መግለጺ ሓቢራ። ኣብዚ ናይ ሎሚ መድረኽ ዓቢ ናይ ነጥቢ ብልጫ ዘንበረ ፊሊፕሰን ነቲ ብ376 ነጥቢ ዝመርሕ ዘሎ ቢንያም ብ32 ነጥቢ ድሒሩ ብ344 ነጥቢ ንቐጣልያ ማልያ ይስዕብ ኣሎ። ፊሊፕሰን’ውን ድሕሪ ዓወቱ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ቢንያም ኣብ ጥዑይ ኩነታት ክህሉ ሰናይ ትምኒቱ ድሕሪ ምግላጽ፡ “ኣብ መወዳእታ ከምዚ ዝመስል ሓደጋ ከጋጣሞ ዘይግባእ’ዩ፡” ኢሉ። ናይ ሎሚ 188.6 ኪሎሜተር ዝሸፈነ መድረኽ፡ ካብቲ ቢንያም ክዕወተሉ ወይ ድማ ጽቡቕ ውጽኢት ከመዝግበሉ ትጽቢት ተገሩሉ ዝነበረ መድረኻት ሓደ'ዩ። ... ድምጺ ኣመሪካ 1 w
ኣብ ከተማ ኣዋሽ ብዘጋጠመ መጥቃዕቲ 2 ሰባት ሞይቶም Public Domain  — ድሬዳዋ — ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ዓፋር ከተማ ኣዋሽ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ካብ ጅጅጋ ናብ ኣዲስ ኣበባ ትጓዓዝ ኣብ ልዕሊ ዝነበረት ሓንቲ ሚኒባስ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ክልተ ተጉዓዝቲ  ከምዝተቅትሉ ተገሊጹ። ኣቶ ብድሪ የሱፍ ዝተባህሉ ተጉዓዚ እቲ ፍጻመ ዘጋጠመ ንሓደ ፈታዊኦም ንሕክምና ናብ ኣዲስ ኣበባ ብሚኒባስ ሒዞም እናኸዱ ከለዉ ከምዝኾነን  ኣብ ከተማ ኣዋሽ ኣብ ዝበጽሕሉ እዋን ብሃንደበት መጥቃዕቲ ከምዝተፈጸሞም ንድምጺ ኣመሪካ ገሊጾም። ድምጺ ኣመሪካ ዘዘራረቦም ወሃቢ ቃል መንግስቲ ክልል ሶማሌ ኣቶ ዓብደልቃድር ረሺድ እቲ መጥቃዕቲ ዝተፈጸመ  መንነት ተሳፈርቲ መሰረት ብምግባር ምኳኑን  ኣብ መንጎ ኣርባሕቲ ከብቲ ዓፋርን ሕብረተሰብ ሶማሌ ጎንጺ ምህላዉን እዚ ናይ ቀዳም መጥቃዕቲ ኣካል'ዚ ምኳኑን ይዛረቡ። ይኹን ምበር ሓደ ነባሪ ኣዋሽ  ብወገኖም መበገሲ'ቲ መጥቃዕቲ ናይ ውልቀ ባእሲ ምኳኑን ነቲ መጥቃዕቲ ፈጺሙ'ዩ ተባሂሉ ዝተጠርጠረ ዕጡቅ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ሕጊ ከምዝወዓለ ተዛሪቦም።  ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ብወገኑ ኣብ መንጎ ክልቲኡ ማሕበረሰብ ዝካየድ ጎንጺ ህይወትን ንብረትን የጥፍእን ሰባት የመዛብልን ምህላዉ ኣብ ቀረባ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ገሊጹ ኔሩ። ብዛዕባ'ዚ ጉዳይ ካብ ክልል ዓፋር ምምሕዳር ከተማ ኣዋሽ ምላሽ  ንምርካብ ዝተገብረ ጻዕሪ ኣይሰለጠን ።   ኣውቶብሳት ብሓገዝ ሓለዋ ጸጥታ ፌደራል ካብ ክልል ሶማሌ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝህበኦ ኣገልግሎት ጉዕዞ ግን ከምዘይተቋረጸ'ውን ኣቶ ዓብደልቃድር ረሺድ ኣብቲ ኣጋጣሚ ገሊጾም ኣለው።  ... ድምጺ ኣመሪካ 1 w
ፈተነ ቅትለት ትራምፕ ንምርጫ ኣመሪካ ብኸመይ ይጸልዎ? -- ትንታነ Public Domain  — ዋሽንግተን — ሕጹይ ፕረዚደንታዊ ተወዳዳሪ ዶናልድ ትራምፕ ቀዳም ምሸት፡ ኣብ እዋን ጎስጓስ ምርጫ፡ ካብ ፈተነ ቅትለት ድሕሪ ምድሓኑ፡ ንዝመጽእ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኣመሪካ ከመይ ክጸልዎ ይኽእልንዝብል ኣብ ዩኒቨርስቲ ቺካጎ፡ ኣብ ክፍሊ-ፖለቲካዊ ስነ-ፍልጠት ዝምህር ዶክተር ሳልሕ ዑመር ኑር፡ ብሕልፊ ብውዑዩ እዚ ክስታተ ንወፍሪ ምርጫ ትራምፕ ኣዝዩ ሓጋዚ ምዃኑ ይኣምን። ዶክተር ሳልሕ ንታሪኽ ሮናልድ ሬገንን ኣብ እዋን ወፍሪ ምርጫ ድሕሪ ዝተኻየደሉ ፈተነ ቅትለትን ዘስዓቦ ናይ ድጋፍ ድምጺን ብምንጽጻር ኣብሪሁ ኣሎ። ... ድምጺ ኣመሪካ 1 w
ኢትዮ-ቴለኮም ኣብ 17 ከተማታት ክልል ኣምሓራ ኣገልግሎት ምጅማሩ ኣፍሊጡ Public Domain  — ባህርዳር — ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኣምሓራ ተነቢሩ ዝጸንሐ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ድሕሪ ምብቅዑ ፡ ኢትዮ-ቴለኮም ኣብ 17 ቀንዲ ከተማታት ኣገልግሎት ኢንተርነት ምጅማሩ ኣፍሊጡ። ሓላፊት ኢትዮ-ቴለኮም ፍረሂወት ታምሩ፡ ኣብ ካልኦት ቦታታት ክልል ኣምሓራ`ውን እቲ ኣገልግሎት ኢንተርነት ናብ ዝነበሮ ኣብ ምምልሱ ይስራሕ ከምዘሎ ንድምጺ ኣመሪካ ሓቢራ። ምዕጻው ኢንተርነት ኣብ ኣብ ቁጠባን መነባብሮን`ቲ ከባቢ ዓቢይ ሃስያ ከውርድ ምጽንሑ ነበርቲ ንድምጺ ኣመሪካ ክገልጹ ጸኒሖም ኣለዉ። ካብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ነሓሰ ጀሚሩ ኣገልግሎት ኢንተርነት ኣብ ክልል ኣምሓራ ክቋረጽ ጸኒሑ`ዩ። ... ድምጺ ኣመሪካ 1 w
“ ምምላስ ተመዛበልቲ ምዕራብ ትግራይ ኣብ ቀረባ ግዜ ክጅመር’ዩ፡” ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ Public Domain  — መቐለ — ምኽትል ፕረዚደንት ግዜያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ ትማሊ ሰንበት ምስ ማዕከናት ዜና እቲ ክልል ኣብ ዝገበሩዎ ፅንሖት፡ ዝቐደሙ ተመዛበልቲ ናብ ቦታኦም ከም ዝተመልሱ ድሕሪ ምጥቃስ፡ ቀፂሎም’ውን ካብ ምዕራብ ትግራይ ተመዛቢሎም ንዝተፈናቐሉ’ውን ኣብ ቀረባ ግዜ ናይ ምምላስ መስርሕ ክጅምር ምዃኑ ገሊፆም። ገደብ ግዜ ናይቲ ዝተባህለ ምምላስ ግን ኣይሓበሩን። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።     ... ድምጺ ኣመሪካ 1 w
ኣስመራ ንዓወት ቢንያም ትጽንብል Public Domain  — ኣስመራ — ኤርትራዊ ተቐዳዳሚ ቢንያም ግርማይ ኣብ ዙር ፈረንሳ ብዘርእዮ ዘሎ ዓወት፡ ኣብ ኤርትራ ብዓቢ ጽንብል ፈጢሩ ኣሎ። ድሕሪ ኣብ ዓበይቲ ከተማታት ኤርትራ፡ ድሕሪ ነፍሲ-ወከፍ ዓወት ቢንያም፡ ህዝቢ ብሓንሳብ ናብ ጎደናታት ብምውሓዝ ክጽንብል ቀንዩ ኣሎ።    ኣብ ዝደሓረ ዜና፡ ሎሚ ኣብ ዝተኻየደ መበል 13 መድረኽ ዙር ፈረንሳ ብዓወት ያስፐር ፊሊፕሰን ክዛዘም እንከሎ፡ ኣብዚ ናይ ሎሚ መድረኽ ድማ ቢንያም መበል ራብዓይ ኣትዩ ኣሎ። ድሕሪ ናይ ሎሚ ዓርቢ መድረኽ፡ ናይ ውህሉል ግዜ መላለዪት ቀጠልያ ማልያ ለቢሱ ዝኣተወ ቢንያም ብ346 ነጥቢ ይመርሕ ኣሎ። ናይ ሎሚ መድረኽ ዝተዓወተ ብውህሉል ነጥቢ ንቢንያም ዝኽተሎ ዘሎ ያስፐር ፊሊፕሰን ድማ ብ271 ነጥቢ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ተሰሪዑ ኣሎ። ቢንያም ንፊሊፕሰን ብ75 ነጥቢ ይመርሖ ኣሎ። ... ድምጺ ኣመሪካ 2 w
ተፈናቀልቲ ክልል ኣምሓራ ሰብኣዊ ድጋፍ ንሰለስተ ኣዋርሕ ከምዘይረኸቡ ይገልጹ Public Domain  — ደሴ — ኣብ ዝሓለፈ ሚያዝያ ዝተወለዐ ግጭት ስዒቡ፣ ካብ ኮረም፣ ኦፍላን ዛታን ናብ ዋግ ህምራን ሰሜን ወሎን ዝተፈናቀሉ ሰባት፣ ንሰለስተ ኣዋርሕ ብዘይሰብኣዊ ድጋፍ ከምዝጸንሑ፣ ገሊኦም ኣብ ጎደናታት ይሓድሩ ከምዘለውን ገሊጾም።   ንክልተ ዓመታት ከንቲባ ኮረም ከምዝነበሩን ሎሚ ተፈናቃሊ ከምዝኾኑ ዝዛረቡ ኣቶ ብርሃኑ ሃይሉ ንድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዝሃብዎ ቃል "ካብ ሰለስቲኤን ወረዳታት 22- ሽሕ ሰባት ከምዝተፈናቀሉ ከምኡውን ሕጽረት መግቢ ዘተሓሳስብ ደረጃ ምብጽሑን" ገሊጾም።   ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ምክልኻል ሓደጋን ውሕስና መግቢን ዞባ ዋግ ህምራ ብወገኑ፣ ንብዙሓት ተፈናቀልቲ ከምዝተቀበለ፣ ብሰንኪ ሕጽረት ገንዘብን ደርቂ ስለዘጋጠመን፣ ንተፈናቀልቲ ምሕጋዝ ከምዝተጸገመ ጠቂሱ ኣሎ።   ኮምሽን ምክልኻል ሓደጋን ውሕስና መግቢን ክልል ኣምሓራ ብወገኑ፣ ነቶም ተፈናቀልቲ፣ መግቢ ይቅረበልና ንዝብል ሕቶ ተመዛበልቲ፣ ከምዝምልስ ኣፍሊጡ ። ... ድምጺ ኣመሪካ 2 w
ኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን ኢትዮጵያ ብዘይሕጋዊ ሰነድ ኣብታ ሃገር ዝነበሩ ወፃእተኛታት ምስጓጎም ሓቢሩ Public Domain  — ኣዲስ ኣበባ — ኣብ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ውሽጢ ዝሓለፉ 30 ዓመታት ምስ ድሕንነትን ሃገራዊ ረብሓን ተኣሳሲሩ፣ ኣብ ልዕሊ 10-ሽሕ ዜጋታት ተነቢሩ ዝፀነሐ ናይ ወፃኢ ጉዕዞ እገዳ፣ ኣብዚ ዓመት ከምዝተልዓለ ኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን ኢትዮጵያ ገሊፁ። እቲ ትካል ንዓመታዊ ኣፈፃፅማ ስርሑ ኣመልኪቱ፣ ሎሚ ንጋዜጠኛታት ኣብዝሃቦ መግለፂ፣ ብዘይሕጋዊ ሰነድ ኣብታ ሃገር ዝነበሩ ወፃእተኛታት ምስጓግ ሓዊሱ፣ ሕጋዊ ስጉምታት ምውሳዱ ሓቢሩ ኣሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።   ... ድምጺ ኣመሪካ 2 w
ክልል ኦሮምያ ዝተጨወዩ ተማሃሮ ደባርቕ ዩኒቨርሲቲ ምልቃቑ ይገልጽ፡ ስድራ ግን ነዚ ይነጽጉ Public Domain  — ኣምቦ — ኣብ ኢትዮጵያ ዞባ ሰሜን ሸዋ ዝሓለፈ ሰሙን ብዕጡቓት ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ተጨውዮም ዝተባህሉ ተማሃሮ ዩኒቨርሲቲ ደባርቕ ከምዘይተለቐቑ ቤተሰቦም ይገልጹ`ለዉ። ወሃቢ ቓል ክልል ኦሮሚያ ሃይሉ ኣዱኛ ብወገኑ ካብቶም ብዕጡቓት ሸኔ ዝበሎም ተጨውዮም ዝነበሩ 167 እቶም 160 ዝኾኑ ኣልቂቕና ምስ ቤተሰቦም ክራኸቡ ጌርና ኢና ይብል። ድምጺ ኣመሪካ ዘዘራረቦም ቤተሰብ ዝተጨወዩ ተማሃሮ ግን፡ ደቆም ከም ዘይተለቐቑን እኳ ድኣ ክሳብ ፍርቂ ሚልየን ብር ዝበጽሕ ቤዛ ይሕተቱ ምህላዎም ሓቢሮም ኣለዉ። እቶም ንዕረፍቲ ዝምለሱ ዝነበሩን ንኣዲስ ኣበባ ኣስታት 80 ኪ,ሜ ክተርፎም ከሎ ዝተጨውዩን ተመሃሮ ዩኒቨርሲቲ "ተወላዶ ክልላት ኦሮሞን ደቡብን`ዮም' ዝበለ ወሃቢ ቓል ኦሮሚያ፡ ኣብቲ ነቶም ተመሃሮ  ንምድሓን ዝተኻየደ ስርሒት ኢዶም ዝሃቡን ስጉምቲ ዝተወስዶምን ዕጡቓት ኣለዉ ድሕሪ ምባል፡ "ብጥንቃቐ ዝግበር ዘሎ ስራሕ`ዩ፡  ኣብቲ ስርሒት ዝተጎድአ ተመሃራይ `ውን የለን" ኢሉ። ኣቶ ሃይሉ፡ ነቲ ጭውያ  ሸኔ ኢሉ ዝጽውዖም ዕጡቓት ኦሮሞ ተሓተቲ ጌሩ`ሎ። ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣብዚ ሰሙን`ዚ ዘውጽኦን ንሓደ ዓመት ዝሸፈነን ጸብጻብ፡ ብፍላይ ኣብ ክልላት ኣምሓራን ኦሮሚያን ዝፈጸም ዘሎ ጭውያታት ኣዝዩ ዝተሓሳስብ ምዃኑ ኣፍሊጡ ኔሩ`ዩ።   ... ድምጺ ኣመሪካ 2 w
ቢንያም ብናይ መበል 12 መድረኽ ዓወት 'ሃትሪክ' ሰሪሑ Public Domain  — ዋሽንግተን ዲሲ — ቢንያም ግርማይ ሎሚ ሎሚ ሓሙስ ኣብ ዝተኻየደ መበል 12 መድረኽ ዙር ፈረንሳይ ቀዳማይ ወጺኡ። ኣብዚ 203.6 ኪሎሜተር ዝሸፈነ መብዛሕትኡ ጎልጎል ዝዀነ ውድድር ንቢንያም ስዒቦም በልጂማዊ ዎት ቫንኣርት ካልኣይ፡ ፓስካል ኣከርማን ሳልሳይ (ፈረንሳዊ ኣሮንላድ ደማር ድሒሩ ብዝተገብረ ውሳነ ተርታኡ ተመንጢሉ'ዩ) ኰይኖም ውድድሮም ዛዚሞም ኣለዉ። ናይ ሎሚ ሓዊሱ ቢንያም ንሰለተ መድረኻት ቀዳማይ ክወጽኦ እንከሎ፡ ኣብ ክልተ ድማ ካልኣይ ኰይኑ ውድድሩ ዛዚሙ ኣሎ። ድሕሪ’ዚ ናይ ልሚ ዓቢ ዓወት ቢንያም ነታ ለቢሱዋ ዝቐነየ ቀጠልያ ማልያ ዳርጋ ዘውሓሳ ይመስል። ብ328 ውህሉል ነጥቢ ድማ ነዚ ውድድር ይመርሖ ኣሎ። ድሕሪ ቢንያም፡ ብነጥቢ ዝስዕብ ዘሎ ያስፐር ፊሊፕሰን 221 ነጥቢ'ዩ ኣዋህሊሉ ዘሎ። ኣብዚ ናይ ሎሚ ውድድር ቀዲሞም ኣብ ተርታ ዝኣተወኡ ደማርን ማርክ ካቫንዲሽን ብኮሚተ ስለ ዝተቐጽዑ ፈለማ ዘመዝገቡዎ ተራ ተመንጢሎም ኣለዉ። በዚ ኣጋጣሚ ድማ ያስፐር ፊሊፕሰን ኣብ ናይ ሎሚ መድረኽ ተርታኡ ናብ ራብዓይ ተለዊጡ ኣሎ። ቢንያም ድሕሪ ዓወቱ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ነቲ ናብዚ ዘብጽሖ ኣምላኽ ብምምስጋን፡ ደቂ-ጋንታኡ ዝገበሩዎ ዘለዎ ዓቢ ኣስተዋጽኦ'ውን ንኢዱ። ናብ መዛዘሚ ሕንጻጽ ኣብ ዝቀራረቡሉ ዝነበሩ እዋን ቢንያም ንደቂ ጋንታኡ ጽቡቕ ይስምዖ ከም ዘሎ ብምሕባር፡ ኣብቲ ናይ ጋንታኡ መዘራረቢ ረድዮ፡ "ጽቡቕ ይስምዓኒ ኣሎ፡ ኵሉኻትኩም ንእሽቶ ጥራይ ሓግዙኒ እምበር ክዕወት'የ' ኢለዮም፡" ይብል። ካብ ሎሚ ንደሓር ድማ ኣብ ዝቕጽል ቅጽበታዊ ውድድር ምስ ምሉእ ምትእምማን ጽቡቕ ውጽኢት ከመዝግብ ምዃኑ ተዛሪቡ። ሎሚ ኣብ ዝነበረ መድረኽ ምውዳቕ ስለ ዝነበረ ንብዙሓት ተቐዳደምቲ ጎዲኡ'ዩ። ቢንያም'ውን በቲ መውደቕቲ ከም ዝተሰናበደ ብምግላጽ፡ ናብ መዛዘሚ ሕንጻጽ ከባቢ 600 ሜትሮ ምስ ተረፎ ወዲ-ጋንታኡ (ማይክ) ኣሰንዩ ናብ ቅድሚት ከም ዘምጽኦን ድሕሪኡ ድማ ንምዕዋቱ ምሉእ ምትእምማን ከም ዝወሰኸሉን ቢንያም ሓቢሩ። ዕዉት ሰለስተ መድረኻት ዝዀነ ቢንያም፡ ንነብሱ፡ ጋንታኡ ኢንተርማርሸ፡ ሃገሩን ኣህጉር ኣፍሪቃን ሓድሽ ክብረ-ወሰን ምዃኑ'ዩ።   ... ድምጺ ኣመሪካ 2 w
ኣብ ዞባ ጋሞ ዝነበረ ግጭት ብዝተሓሓዝ 40 ሰባት ምእሳሮም ነበርቲ ገሊጾም Public Domain  — ሃዋሳ —  ኣብ ደቡባዊ ኢትዮጵያ ዞባ ጋሞ ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ እዋን ዝነበረ ግጭት ብምትሕሓዝ ብውሕዱ 40 ሰባት ተኣሲሮም።  እቲ ግጭት ምስ ናይ ዘይሴ ብሄረሰብ ቀበሌታት ፍሉይ ምምሕዳር ወረዳ zቐርብ ሕቶታት ብዝተሓሓዝ`ዩ።  ነበርቲ  ኣብተን ኣብ ከባቢ ኣርባምንጭ ዝርከባ ኤልጎ: ወዘካ: ደምብለን ጫሞን ዝብሃላ ዓድታት ማእሰርቲ ቀጺሉ'ሎ ክብሉ ንድምጺ ኣመሪካ ሓቢሮም።  ኣብ ዝሓለፈ ሰነ ኣብ መንጎ ፖሊስን ነበርትን ግጭት ተወሊዑ ኔሩ`ዩ። እተን ምምሕዳራዊ ከባብታት ናይ ባዕለን ሓደ ዝኾነ ናይ ወረዳ ምምሕዳር ክህልወን ይሓታ ኣለዋ:: እሱራት ማህረምትን ካልእን ይወርዶም ከምዘሎ`ውን ስድራቤቶም ይጠርዑ`ለዉ። ብዛዕባ`ቲ ጉዳይ ካብ ሰበ-ስልጣን`ቲ ከባቢ ርእይቶ ምርካብ ኣይተኻእለን ። ... ድምጺ ኣመሪካ 2 w
ቢንያም ግርማይ ኣብ መበል 12 መድረኽ ቀዳማይ ወጺኡ፡ ሃትሪክ ሰሪሑ Public Domain  — ዋሽንግተን ዲሲ — ቢንያም ግርማይ ሎሚ ሎሚ ሓሙስ ኣብ ዝተኻየደ መበል 12 መድረኽ ዙር ፈረንሳይ ቀዳማይ ወጺኡ። ኣብዚ 203.6 ኪሎሜተር ዝሸፈነ መብዛሕትኡ ጎልጎል ዝዀነ ውድድር ንቢንያም ስዒቦም በልጂማዊ ዎት ቫንኣርት ካልኣይ፡ ፓስካል ኣከርማን ሳልሳይ (ፈረንሳዊ ኣሮንላድ ደማር ድሒሩ ብዝተገብረ ውሳነ ተርታኡ ተመንጢሉ'ዩ) ኰይኖም ውድድሮም ዛዚሞም ኣለዉ። ናይ ሎሚ ሓዊሱ ቢንያም ንሰለተ መድረኻት ቀዳማይ ክወጽኦ እንከሎ፡ ኣብ ክልተ ድማ ካልኣይ ኰይኑ ውድድሩ ዛዚሙ ኣሎ። ድሕሪ’ዚ ናይ ልሚ ዓቢ ዓወት ቢንያም ነታ ለቢሱዋ ዝቐነየ ቀጠልያ ማልያ ዳርጋ ዘውሓሳ ይመስል። ብ328 ውህሉል ነጥቢ ድማ ነዚ ውድድር ይመርሖ ኣሎ። ድሕሪ ቢንያም፡ ብነጥቢ ዝስዕብ ዘሎ ያስፐር ፊሊፕሰን 221 ነጥቢ'ዩ ኣዋህሊሉ ዘሎ። ኣብዚ ናይ ሎሚ ውድድር ቀዲሞም ኣብ ተርታ ዝኣተወኡ ደማርን ማርክ ካቫንዲሽን ብኮሚተ ስለ ዝተቐጽዑ ፈለማ ዘመዝገቡዎ ተራ ተመንጢሎም ኣለዉ። በዚ ኣጋጣሚ ድማ ያስፐር ፊሊፕሰን ኣብ ናይ ሎሚ መድረኽ ተርታኡ ናብ ራብዓይ ተለዊጡ ኣሎ። ቢንያም ድሕሪ ዓወቱ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ነቲ ናብዚ ዘብጽሖ ኣምላኽ ብምምስጋን፡ ደቂ-ጋንታኡ ዝገበሩዎ ዘለዎ ዓቢ ኣስተዋጽኦ'ውን ንኢዱ። ናብ መዛዘሚ ሕንጻጽ ኣብ ዝቀራረቡሉ ዝነበሩ እዋን ቢንያም ንደቂ ጋንታኡ ጽቡቕ ይስምዖ ከም ዘሎ ብምሕባር፡ ኣብቲ ናይ ጋንታኡ መዘራረቢ ረድዮ፡ "ጽቡቕ ይስምዓኒ ኣሎ፡ ኵሉኻትኩም ንእሽቶ ጥራይ ሓግዙኒ እምበር ክዕወት'የ' ኢለዮም፡" ይብል። ካብ ሎሚ ንደሓር ድማ ኣብ ዝቕጽል ቅጽበታዊ ውድድር ምስ ምሉእ ምትእምማን ጽቡቕ ውጽኢት ከመዝግብ ምዃኑ ተዛሪቡ። ሎሚ ኣብ ዝነበረ መድረኽ ምውዳቕ ስለ ዝነበረ ንብዙሓት ተቐዳደምቲ ጎዲኡ'ዩ። ቢንያም'ውን በቲ መውደቕቲ ከም ዝተሰናበደ ብምግላጽ፡ ናብ መዛዘሚ ሕንጻጽ ከባቢ 600 ሜትሮ ምስ ተረፎ ወዲ-ጋንታኡ (ማይክ) ኣሰንዩ ናብ ቅድሚት ከም ዘምጽኦን ድሕሪኡ ድማ ንምዕዋቱ ምሉእ ምትእምማን ከም ዝወሰኸሉን ቢንያም ሓቢሩ። ዕዉት ሰለስተ መድረኻት ዝዀነ ቢንያም፡ ንነብሱ፡ ጋንታኡ ኢንተርማርሸ፡ ሃገሩን ኣህጉር ኣፍሪቃን ሓድሽ ክብረ-ወሰን ምዃኑ'ዩ።   ... ድምጺ ኣመሪካ 2 w
ሆስፒታል ዶክመር ሽረ -- ተስፋ ኣብቲ ጽልሙት ደመና Public Domain  — ሽረ — ኣገልግሎት ጥዕና ክልል ትግራይ ብሰንኪ ኲናት ብኸቢድ ኣብ ዝተሃሰየሉ፡ ገለ ወገናት ግን ነቲ ዘሎ ክፍተት ንምምላእ ጥራይ ዘይኰነስ ኪንዮ’ቲ ቅድሚ ኲናት ዝነበረ ኣገልግሎት ንምስፋሕ’ውን ይሰርሑ ኣለዉ። ሓደ ኣብነት ናይዚ ድማ ኣብ ከተማ ሽረ ቅድሚ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ኣቢላ ዝተኸፍተት ሆስፒታል ዶክመር’ያ።  ... ድምጺ ኣመሪካ 2 w
ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ መቐለ -- ካብኡ ናብኡ Public Domain  — መቐለ — ኣብ መቐለ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ወግዓዊ ናይ ስደተኛታት ወረቐት ስለ ዘይብሎም፡ ዝዀነ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ንምርካብ ኣመና ከም ዝጽገሙ ይዛረቡ። ደጋጊሞም ጠሪዖም ሰማዒ ኣካል ስለ ዘይረኸቡ ድማ፡ ማሕበር ኣቝሞም ሽግራቶም ንምፍታሕን ብዘለዎም ንምትሕግጋዝን ይጽዕሩ። እዚ ግን ነባሪ ፍታሕ ዘምጽእ ዘይምዃኑ ይገልጹ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።   ... ድምጺ ኣመሪካ 2 w
ኤርትራዊያን ኣመሪካዊያን ኣደን ወደን ደረስቲ መጽሓፍቶም ብወለንተኛታት ተማሃሮ የተርጉሙ Public Domain  — ዋሽንግተን — ኣደን ወደን ጽምዲ ናብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ኣብ ዝበጽሕሉ ንዝሓለፍዎ ተመክሮን ኣጋጣሚታትን ብመልክዕ መጽሓፍ ሽዱሽተ ናይ ህጻናት መጽሓፍቲ ድሕሪ ምሕታሞም ነቲ ብቋንቋ እንግሊዝ ዝተጻሕፈ መጻሕፍቲ ናብ ትግርኛ ክትርጉምዎ ጀሚሮም። እዚ ናይ ትርጉም ስራሕ ብኣስታት 15  ካብ 4ይ ክሳብ 6ይ ክፍሊ ኣብ ኤርትራ ዝርከቡ ተማሃሮ ተዳልዩ ንሕትመት በቒዑ ከምዘሎን ብተወሳኺ እቶም ተመሃሮ ናቶም መጽሓፍቲ ክጽሕፉን ከሕትሙን ዘኽእል ፕሮግራም ንምጅማር ምኽኣሉ ዲቦራ ሃይለ ትዛረብ። ... ድምጺ ኣመሪካ 2 w