ሱዳን -- ሓተትቲ ዑቕባ ተወላዶ ትግራይ ኣብ ዝተሓደሰ ሻቕሎት Public Domain  — ኣዲስ ኣበባ — ኣብ ሱዳን ዑቕባ ዝሓተቱ፡ ኣባላት ነበር ሓይሊ ዓቃብ-ሰላም ኢትዮጵያ ዝኾኑ ተወላዶ ትግራይ፡ ሓይልታት ህፁፅ ወሃብ ድጋፍ ድሕሪ ዘውፆኦ መግለፂ፡ ኣብ ዝኸፍአ ስግኣት ምህላዎም ንድምጺ ኣመሪካ ሓቢሮም። ናብ ውሑስ ሳልሳይ ሃገር ክግዕዙ ደጋጊሞም ሓቲቶም ዛጊት ፍታሕ ከም ዘይረኸቡ ዝገልፁ እቶም ዓቃብ-ሰላም ሰራዊት ነበር፡ ንጉዳዮም ዝምልከቶ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት (UNHCR) ግን ነቲ ኵነታት ብቐረባ ይከታተሎ ምህላዉ’ዩ ይሕብር። ... ድምጺ ኣመሪካ 5 hr
ትንታነ -- ኣድማ ተመሃሮ ዩኒቨርስታት ኣመሪካ Public Domain  — ዋሽንግተን — ኣብ መፋርቕ ወርሒ ሚያዝያ፡ ብዩኒቨርስቲ ኮሎምቢያ ጀሚሩ ጸኒሑ ናብ ሓያሎ ትካላት ላዕለዎት ትምህርቲ ዝለሓመ ኣድማ ተመሃሮ ኣመሪካ፡ ዩኒቨርስታት ምስ እስራኤል ዘለወ ርክብ ክበትካን ኣብ ልዕሊ ቓዛ ዝግበር መጥቃዕታት ደው ክብልን ዝጽውዕ’ዩ። እዚ ድሒሩ ናብ ኤውሮጳ’ውን ብምስጋር ኣብ ልዕሊ 90 ዩኒቨርስታትን ኮሌጃትን ዛጊት ዝተራእየ ንፍልስጤማውያን ዝሕለቕ ተቓውሞታት፡ ነቲ ዘበገሶ ዕላማታት ኣይውቃዕ ደኣ’ምበር ንሓያሎ ዩኒቨርስታት ግን ምንቕናቕ ፈጢሩለን ኣሎ። ኣብ ገሊኡ ብኣካል ዝወሃብ ክፍልታት ክስርዝ እንከሎ፡ ኣብ ሓያሎ ድማ ድሕሪ ማእሰርቲ ተመሃሮን ጎንጺ ምስ ሓለውቲ ጸጥታን ንጽንብል መመረቕታት ብዙሓት ዩኒቨርሲቲ’ውን ብብደረጃኡ ጸልዩ’ዩ። ክበጽሖ ንዝኽእል ደረጃን ታሪኻዊ ምትእስሳር ምስ ኣድማ ተመሃሮ ዩኒቨርስቲ ኣመሪካን  ብዝተሓሓዝ ተወሳኺ መብርሂ ንምሃብ እምበኣር ንዶክተር ሳልሕ ዑመር ኑር ኣዘራሪብናዮ ኣሎና። ኣብ ዩኒቨርስቲ ቺካጎ መምህር ፖለቲካዊ ስነ-ፍልጠት ዝኾነ ዶክተር ሳልሕ፡ ስለምንታይ እዚ ኣድማ ኣብ ኮሎምቢያ ጀሚሩ ተሓቲቱ እታ ዩኒቨርስቲ ካብ እዋን ኲናት ቬትናም ጀሚራ ኣንጻር ኲናትን ዓመጽን ናይ ምቅዋም ባህሊ ከም ዘለዋ ይዛረብ። ዩኒቨርስቲ ኮሎምቢያ እትኾርዓሉን ኣብ ክፍልታት እትምህረሉን ብምዃኑ ድማ ተመሃሮ ኣድማ ንኸልዕሉ ድርኺት ከም ዝገበረ ይኣምን። እቲ ካልኣይ ነቲ ተቓውሞ ክዓርግ ዝገበሮ ይብል ዶክተር ሳልሕ፡ እቲ ዩኒቨርስቲ ኮሎምቢያ ኣብ ፈለማኡ ዝወሰዶ ተበግሶ’ዩ። ብሓይሊ ንምዕባሱ ድሕሪ ምፍታኑ ድማ ነቲ ተቓውሞ ከግድዶን ሕራነት ተመሃሮ ክንህርን ድርኺት ከም ዝገበረ ዶክተር ሳልሕ ይገልጽ። እዚ ኣድማታት ኣብ መንግስታት ግን ዛጊት ዝጥቀስ ጽልዋ ከም ዘይብሉ ዝጠቐሰ ዶ/ር ሳልሕ፡ ሕጂ ናብ ኤውሮጳ ብምስጋሩ ግን ኣብ ዝተናውሐ፡ እቲ ኲናት’ውን ብማዕረ እንተቐጺሉ እቲ ዝዓበየ ጽልዋ ኣብኡ ክህሉ ከም ዝኽእል ይምጉት። ንሱ ድማ ኣብ መንጎ ፖሊሲታት ሃገራት ኤውሮጳን ኣመሪካን ምዃኑ’ዩ እቲ ምሁር ፖለቲካዊ ስነ-ፍልጠት ዝኣምን። መንግስታት ኤውሮጳ ልዕሊ ናይ ኣመሪካ ቀጥታዊ ተጸዋዕነት ናብ ህዝቢ ስለ ዝዛይድ’ዩ ድማ ኣብ ኤውሮጳ ክህሉዎ ዝኽእል ውጽኢት ከም ዝዓቢ ዝምጕት። እዚ ቅርጺ’ዚ ኣብ ዩኒቨርስታት ኣመሪካ’ውን ኣብ ምወላ ዩኒቨርስታት ነዊሕን ዝተሓለለኸን ስለ ዝዀነ’ዩ ድማ ኣብተን ዩኒቨርስታት ቅልጡፍን መሰረታዊን ለውጢ ከምጽእ ኣይጽበዮን። ኣድማ ተመሃሮ ዩኒቨርሲቲታት ንክረምታዊ ዕረፍቲ ምቅርራብ ኣብ ዝግበረሉ እዋን’ዩ ጀሚሩ። ተመሃሮ ናብ ስድራቤቶም ምስ ከዱ እዚ ኣድማታት ናይ ምቕጻል ተኽእሎኡ ዝተሓተተ ዶክተር ሳልሕ ዑመር ኑር፡ እስራኤል እትገብሮ ዘላ መጥቃዕቲ እንተቐጺላ ክቕጽል’ዩ ዝብል እምነት ኣለዎ። እቶም ተመሃሮ ምስ ተበታተኑ ናብ ስድራቤቶም ከተማታቶምን ከስግሩዎ ተኽእሎ ከም ዘለዎ ድማ ይኣምን። ተቓውሞታት ናብ ስድራን ከተማን ምውሳድ ኣብ እዋን ኲናት ቬትናም’ውን ከም ዝተራእየ ዶ/ር ሳልሕ ይዛረብ። ሕጂ’ውን ምስዚ ዝርአ ዘሎ ተመሳሳልነት ክህሉዎ ከም ዝኽእል ከኣ ይኣምን። ... ድምጺ ኣመሪካ 5 hr
ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ንዕጡቓት ተዋጋእቲ ፃውዒት ሰላም ኣቕሪቦም Public Domain  — ባህርዳር — ቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ንዕጡቓት ተዋጋእቲ ፃውዒት ሰላም ኣቕሪቦም። ንሶም ነዚ ፃውዒት ዘቕረቡ ትማሊ ሰንበት 4 ግንቦት 2016 ኣብ ከተማ ባህርዳር ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት ምረቓ  ድልድል ዘስምዕዎ መደረ'ዩ። እቲ ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመታት ዝተጀመረ 380 ሜትሮ ንውሓትን 43 ሜትሮ ስፍሓትን ዘለዎን  ድልድል ብልዕሊ 1.4 ቢልዮን ብር ወጻኢ ዝተሃንጸ እዩ። ቀ/ሚ ኣብይ "ዘየድልን ንኢትዮጵያ ዘየሳግርን ጉዕዞ’’ ዝበሉዎ "ምቅትታልን ምጥፍፋእን ይኣክል’’ ኢሎም። ንሶም ወሲኾም ሽም ከይገልፁ "ኣሕዋት’’ ክብሉ ንዝፀውዕዎምን "ኣብ ዱር ዝርከቡ ኣካላትን’’ ኢሎም ዝገለፁዎም ዕጡቓት ተዋጋእቲ ምስቲ ናይቲ ክልል መንግስቲ ሓቢሮም ክሰርሑ ፃውዒት ኣቕሪቦም። ኣማሓዳሪ እቲ ክልል ኣቶ ኣረጋ ከበደ እውን ተመሳሳሊ ፃውዒት ኣቕሪቦም ኣለው። ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ከተማ ነቀምት ክልል ኦሮሚያ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ እውን "ነንሕድሕድ ምቅትታልን ምብልላዕን ይኣክል’’ ዝብል መደረ ኣስሚዖም ነይሮም። መደረ ቀዳማይ ሚንስተር ግልፅነት ዝጎደሎ እዩ ዝበሉ ፕረዚደንት እናት ፓርቲን ኣቦ-መንበር ናይ ፓርትታት ምትሕብባርን ዶክተር ሰይፈ ስላሴ ኣያሌው፡ "መፍትሒ ዘምፅእ ፃውዒት ኣይኮነን ኣብ ክልል ኦሮሚያን ኣምሓራን ዘሕለፉዎም መልእኽትታት ነንባዕሎም ዝራፀሙ እዮም’’ ክብሉ ነቒፎም።     ... ድምጺ ኣመሪካ 7 hr
ህንፀት ፍሉይ ቁጠባዊ ዞባ ገዳ ተጀሚሩ Public Domain  — አዳማ — ኣካል ፖሊሲ ህንፀት መሰረተ ልምዓት ቻይና ዝኾነ ፕሮጀክት ገዳ ህንፀት ቁጠባዊ ዞባ ሎሚ ብወግዒ ስርሑ ጀሚሩ። ቻይና ሰለስተ ኣህጉራት ብመሰረተ ልምዓት ንምትእስሳር ዝወጠነቶ "ተበግሶ ቅናትን መንገዲን" ኣካል ከም ዝኾነ ዝተገለፀ እዚ ፕሮጀክት ኣብ ዞባ ምብራቕ ሸዋ ኣብ መንጎ ከተማታት ሞጆን ኣዳማን ከምዝህነጽ ሓላፊ ህንፀት ባቡር ቻይና ዴይ ሄገን ገሊፆም።  ኣብ ምጅማር ስራሕ ህንፀት ፍሉይ ቁጠባዊ ዞባ ገዳ ዝተረኸቡ ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ኣሕመድ ኢትዮጵያ ነፃ ኢንዳስትራዊ ዞባ ንምድላው ምምሕያሽ ፖሊሲ ምግባራ ገሊፆም። ምስቲ ነቲ ህንፀት ዝሰርሕ ኮርፖረሽን ስቪል ኢንጀሪንግ ቻይና ተወካሊ ዝተፈራረሙ ናይቲ ፕሮጀክት ሓላፊ ኣቶ ሞቱማ ተመስገን እቲ ፕሮከጅት ኣብ 24- ሽሕ ሄክታር መሬት ዝሕዝን እቲ ስራሕ በብደረጃ ከምዝሳለጥን ሓቢሮም። ክንደይ በጀት ከምዝውድእ ግን ኣቶ ሞቱማ ኣይገለፁን።  ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ድምፂ ኣመሪካ ዘዘራረቦም ክኢላ ስነ ቁጠባ ዶክተር ጌዴዎን ገሞራ ጃለታ ኣብ 2023 ዝጀመረ ተበግሶ ቅናትን መገድን ብቻይና ከምዝሽፈን ብምሕባር ብትሪሊዮን ዶላር ዝሳለጥ ኮይኑ ስርሑ እውን ንኩባንያታት ቻይና ክወሃብ እዩ ኢሎም።  ... ድምጺ ኣመሪካ 3 d
ኣብ ቤንሻንጉል ጉምዝ ብዕጡቓት ተፈጺሙ ኣብ ዝተባህለ መጥቃዕቲ 5-ሽሕ ሰባት ምዝንባሎም ተገሊጹ Public Domain  — ባህርዳር — ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ ዞባ መተከል ወረዳ ድባጤ ዝሓለፈ ሰሙን ብዕጡቓት ተፈፂሙ ብዝተባህለ መጥቓዕቲ ሓደ ሰብ ከምዝተቐተለን 5- ሽሕ ሰባት ካብ መንበሪኦም ከምዝተመዛበሉን ጉድኣት ወሪዱና ዝበሉ ንድምፂ ኣመሪካ ገሊፆም።   ኣብ ወረዳ ቆርቄ ዝተባህለ ከባቢ ዝርከብ ዱር ዝነበሩና ናይ መንግስቲ ናይ ሰላም ፃውዒት ተቐቢሎም ምስቲ ማሕበረሰብ ዝተሓዋወሱ ዝተባሃሉ ዕጡቓት ተፈፂሙ ዝተባህለ  መጥቓዕቲ ኣስታት 30 ኣባይቲ ምዝተቓፀሉ ግዳያት ተዛሪቦም።  ብመንግስቲ ንዝቐረበ ፃውዒት ተቐቢሎም ምስ ማሕበረሰብ ናይ ዝተፀነበሩ ናይ ቀደም ናይ ጉምዝ ህዝብታት ዴሞክራሲያዊ ምንቅስቓስ ኣቦ መንበርን ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ግሙዝ ይህነፅ ናይ ዘሎ ግድብ ህዳሴ ሓላፊ  ቤት ፅሕፈት ኣቶ ግራኝ ጉዴታ ኣብ ልዕሊ እቶም ዕጡቓት ዝተላዕለ ክሲ: እቶም ዕጡቓት ኢድ ከምዘይብሎም ተዛሪቦም ። ካብ ሰበስልጣን ክልልን ዞባን መልሲ ንምርካብ ዝተገበረ ፃዕሪ ኣይሰለጠን። ... ድምጺ ኣመሪካ 3 d
ወዲ ትኹል -  ድሕሪ ሕማም ንሓዲሽ ናህሪ ይብገስ Public Domain  — ዋሽንግተን — ብሰንኪ ዘጋጠሞ ሕማም ኣብ ሆስፒታል ሚላኖ ኢጣልያ ኣብ ጽኑዕ ክንክን ሕክምና ዝነበረ በሃር ስነ-ጥበባዊ ተኽለ ክፍለማርያም(ወዲ-ትኹል)፥ ኣብዚ እዋን'ዚ ኣብ ርጉዕ ጥዕና ከም ዘሎ ይገልጽ። ወዲ ትኹል ነቲ ንዕኡ ንምድሓን ተባሂሉ ብህዝቢ ዝተገብረሉ ድጋፍ ንምምስጋን ዝሓለፈ ዓመት "ጸሎትኩም ሰሚሩ" ትብል ደርፊ ዝዘርግሐ ክኸውን ከሎ፥ ኣብዚ እዋን እዚ ድማ ሓደስቲ ደርፍታት ይዝርግሕ ከም ዘሎ ኣፍሊጡ'ሎ። ወዲ ትኹል "ነዚ ህዝቢ እዚ ንምኽሓስ ብዙሕ ስራሕ ይጽበየኒ'ሎ"ይብል።   ... ድምጺ ኣመሪካ 3 d
ወይኒ ተወልደ -- ንልዕሊ 40 ዓመታት ኣብ መድረኽ ስነ-ጥበብ Public Domain  — ኣስመራ — ኤርትራዊት ተዋሳኢት፡ ኣላዪትን ኣብ ቀረባ እዋን ድማ መጽሓፍ ብምጽሓፍ ስማ ኣብ መዝገበ ደረስቲ’ውን ዘመዝገበት ወይኒ ተወልደ ንልዕሊ 40 ዓመታት ኣብ ምውሳእን ምእላይን ዝጸንሐት’ያ። “ሰሎሜ” ብዝብል ካብ ተዋሳኦ ዝለገባ ስም ዝያዳ እትፍለጥ ወይኒ፡ ኣብ ቀረባ ግዜ “ኣደራዕ ሰሕሎ” እትብል ናይ ሓጸርቲ-ዛንታታት መጽሓፍ የሕቲማ ኣላ። ... ድምጺ ኣመሪካ 3 d
ዲፕሎማት በበይነን ሃገራት ናብ ክልል ትግራይ ይበጽሑ Public Domain  — መቐለ — ብምኽትል ኣፈጉባኤ ቤት ምኽሪ እስራኤል ሞሼ ሰለሞን ዝተመርሐ ጉጅለ ኣብ  ክልል ትግራይ  ንሰለስተ መዓልታት ዑደት ኣካዪዱ። ሽዱሸተ ኣባላት ምስ ዝሓዘ እዚ ጉጅለ ኣብ ጉዳይ ምትሕብባር ሕርሻ፡ ቴክኖሎጂን ህፁፅ ሓገዝን ምስ ግዜያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዘተ ኣካዪዱ ኣሎ።  ብተመሳሳሊ ናይ 10 ሃገራት ዲፕሎማሲያዊን ናይ ፀጥታን ኣካላት ወከልቲ ኣብቲ ክልል ዑደት  ብምክያድ ምስ ኣመራርሓ ጊዜያዊ ምምሕዳርን ውድባትን ኣብ ጉዳይ ኣፈፃፅማ ስምምዕ ፕሪቶሪያን ህልዊ ኩነታት እቲ ክልልን ዘትዮም።  ... ድምጺ ኣመሪካ 3 d
ሕማም ሽኮር ብዓይኒ በዓል-ሞያ Public Domain  — ዋሽንግተን — ኣብ መላእ ዓለም ሕማም ሽኮር ዘለዎም ሰባት ቁፅሮም ይውስኽ ኣሎ። እዚ ሕማም ንዑረት ዓይንን ጉድኣት ኹሊትን ሓዊሱ ንዝተፈላለዩ ካልኦት ሕማማት’ዉን ዘቃልዕ’ዩ።  ዶ/ር እስክንድር ሓድጉ ካልኣይ ዓይነት ሕማም ሽኮር  ክትከላኸሎን ክትሓውየሉ ዝከኣለሉ ኹነት’ዉን ከምዘሎ ይሕብር።       ... ድምጺ ኣመሪካ 4 d
ዕጡቓት ህውሓት ኣብ ኵናት ሱዳን ይሳተፉ`ለዉ ዝብል ክሲ ይጻረይ ከምዘሎ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ Public Domain  — ኣዲስ ኣበባ — ዕጡቓት ህውሓት ኣብ ኵናት ሱዳን ይሳተፉ`ለዉ ዝብል ክሲ ይጻረይ ከምዘሎ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ። ካብ ሓይልታት ወሃቢ ቅልጡፍ ሓገዝ ሱዳን ኣብ ልዕሊ ህወሓት ዝቐረበ ክሲ፡ መንግስቲ  የጻርዮ ምህላዉ ዝገለጸ ወሃቢ ቓል ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ነብዩ ተድላ፡ ኣብ ሱዳን ዝርከብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ነቲ ጉዳይ ይከታተሎ ከም ዘሎ ሎሚ ሓሙስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ኣፍሊጡ። ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ነቲ ክሲ ምንጻጉ ይዝከር። ንልዕሊ ሓደ ዓመት ዝኣክል ኣንጻር ሰራዊት ሱዳን ዝዋጋእ ዘሎ ብጀነራል ሓምዳን ዳጋሎ ዝምራሕ ቅልጡፍ ወሃቢ ሓገዝ ዝብሃል ሓይሊ፡ ዕጡቓት ህወሓት ኣብ ጎኒ ሰራዊት ሱዳን ተሰሊፎም ይዋግኡ ምህላዎም ዘረጋግጽ ሰነድ ኣለኒ ዝብል ስምዕታ ኣቕሪቡ ኔሩ`ዩ። ኣቶ ነብዩ ኣብቲ ናይ ሎሚ መግለጺኡ፡ ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዘንበሮ ናይ ቪዛ ማዕቀብ ክልዓል`ውን ጸዊዑ`ሎ። ... ድምጺ ኣመሪካ 4 d
ሲስተር ካሕሳ ሓጎስ ኣብ ዓለምለኸ መደብ ሽልማት ተዓዊታ Public Domain  — ዋሽንግተን/መቐለ — ኣብ ክልል ትግራይ ዝተኻየደ ኲናት ፆታዊ መጥቃዕቲ ንዝበፅሐን ደቂ ኣንስትዮ ብናይ ውልቀ ፃዕራን ወፃኢታትን ክትሕብሕብ ዝፀንሐት በዓልቲ ሞያ ሕክምና ሲስተር ካሕሳ ሓጎስ ፡ ግሎባል ኣፌርስ ካናዳ (Global Affairs Canada) ደቂ ኣንስትዮ ሰላምን ፀጥታን (WPS AWARD) ኣብ ዝተባህለ ዓለምለኸ መደብ ሽልማት ተዓዊታ።  ኣብቲ ብቪድዮ ኮንፈረንስ ዝተሳለጠ መድረኽ ሽልማት ሚንስትር ጉዳያት ወፃኢ ካናዳ ሜለኒ ጆሊ፡ ኣብ እዋን እቲ ኲናት ብኹሎም ተዋጋእቲ ወገናት ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ፆታዊ መጥቃዕቲ ምፍፃሙ ብምጥቃስ ነቲን ግዳያት “ፈላመይቲ ኣፋፍኖት ተስፋን ብርሃንን ዝኾነተን ግን ንሳ እያ ነይራ” ክብላ ተዛሪበን። 14 ግንቦት 2024 ኣምባሳደር ካናዳ ኣብ ኢትዮጵያን ካልኦት ዲፕሎማት ኣብ ዝተረኽብሉ ኣብ ክልል ትግራይ ሲስተር ካሕሳ ሓጎስ ሽልማታ ክትቅበል ምዃና ሓበሬታ UNFPA ይገልፅ።     ... ድምጺ ኣመሪካ 5 d
ካብ ሃዋሳ ናብ ኣዲስ ኣበባ እትጓዓዝ ዝነበረት ነፋሪት ምትካኽ ትኪ ኣጋጢሙዋ Public Domain  — ዋሽንግተን — ንብረት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዝዀነት ቍጽሪ በረራ E157 ካብ ሃዋሳ ተበጊሳ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ቦሌ ኣብ ዝበጽሓትሉ እዋን ካብ ውሽጣ ትኪ ክወጽእ ከም ዝተራእየ ኣብታ ነፋሪት ዝነበሩ ተጓዓዝቲ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣካፊሎም። ኣብቲ ትማሊ ሰሉስ ዘጋጠመ ክስተት፡ እታ ነፋሪት ብሰላም ናብ መዕረፊ ቦታኣ በጺሓ፡ ተጓዓዝታ ድማ ብሰላም ምውራዶም መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ናይ ፈይስቡክ ገጹ ሓቢሩ። ኣብታ ነፋሪት ዝነበሩ ተሳፈርቲ ግን ገለ ካብቶም ነቲ ቪድዮ ዝቐረጹ ከም ዘርእዩዎ፡ ድሕሪ’ቲ ሃንደበታዊ ትኪ ብራዕዲ ክውጭጩን ክጽልዩን ይረኣ። መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ በቲ ዘጋጠመ ሓደጋ ንተጓዓዝቲ ይቕረታ ሓቲቱ ነቲ ጉዳይ ከጻርዮ ምዃኑን ሓቢሩ ኣሎ። ዛጊት ግን እንትርፎ’ቲ ትማሊ ዝለጠፎ ሓጺር መግለጺ ኣብቲ ጉዳይ መርመራ ተኻዪዱ እንተዀይኑን ምኽንያት ናይቲ ሓደጋ ከለልዮ እንተኽኢሉን ተወሳኺ መብርሂ ኣይሃበን። ድምጺ ኣመሪካ ኣብቲ ጉዳይ ካብቲ መንገዲ ኣየር ተወሳኺ መብርሂ ንምርካብ ዝገበሮ ፈተነ’ውን ዛጊት ኣይቀንዖን።   ... ድምጺ ኣመሪካ 5 d
ኢትዮጵያ - መጥቃዕቲ ዝተፈነዎም ስደተኛታት፡ ንመዓስከር ኩምራ ይገድፉ Public Domain  — ኣዲስ ኣበባ — ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኣምሓራ ካብ ዝርከቡ መዓስከራት ኩመርን ኣውላላን ብሰንኪ ፀገም ፀጥታ ዝተወሰኑ ሱዳናውያን ስደተኛታት ለቒቖም ከም ዝወፁ ድምፂ ኣመሪካ ዘዘራረቦም ነበርቲ እቲ መዓስከር ገሊፆም። ሕቶ እቶም ሱዳናውያን ንዓዶም ክምለሱ ዝጠልብ ምዃኑ እቶም ርእይቶኦም ዘካፈሉ ይሕብሩ።   ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት (UNHCR) ብወገኑ ትማሊ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ፡ ካብ መዓስከራት ኩመርን ኣውላላን፡ ንስግኣት ፀጥታን ዋሕዲ ኣገልግሎትን ኣመኽኒዮዮም ልዕሊ 1,300 ሱዳናውያን ስደተኛታት ለቒቖም ምውፀኦም ገሊፁ።   ... ድምጺ ኣመሪካ 5 d
ቢንያም ግርማይ ካብ ዙር ኢጣልያ ተኣልዩ Public Domain  — ዋሽንግተን — ኤርትራዊ ተቐዳዳሚ በልጂማዊት ጋንታ ኢንተርማሸ ዝዀነ ቢንያም ግርማይ፡ ኣብ መበል ራብዓይ ዙር ውድድር ዙር ኢጣልያ (ጂሮ ኢጣልያ) ብዘጋጠሞ ሓደጋ፡ ካብቲ ውድድር ምስሓቡ ተሓቢሩ። ቢንያም ናብ መዛዘሚ ሕንጻጽ ክበጽሕ ኣስታት 67 ኪሎሜተር ምስ ተረፎ’ዩ ብዘጋጠሞ ናይ ምውዳቕ ሓደጋ ካብቲ ውድድር ወጺኡ። ጸኒሑ ብኣምቡላንስ ካብቲ ውድድር ክወሰድ ተራእዩ። ጋንታኡ ኢንተርማሸ፡ ቢንያም ንሕክምና ተወሲዱ ዘድሊ መርመራ ይግበረሉ ከም ዘሎ ብምሕባር፡ ውጽኢት እቲ መርመራ ኣብ ቀረባ ግዜ ከፍልጡ ምዃኖም ኣመልኪቶም ኣለዉ። እንተዀነ፡ ቢንያም ካብቲ ውድድር ደኣ ይተኣለ’ምበር ናብ ደቂ-ጋንታኡ ምምላሱ’ውን እታ ጋንታ ኣብ ዘውጽኣቶ ሓበሬታ ጠቒሳ ኣላ። ኣብ ሳልሳይ ዙር እቲ ውድድር መበል ሳልሳይ ተርታ ዝሓዘ ቢንያም፡ ካብቶም ጋንታኡ ኣብ ዝቕጽል መድረኻት እቲ ውድድር ክዕወቱ ዓቢ ተስፋ ኣንቢራትሎም ዝነበረ ተወዳዳራይ’ዩ። ወዲ 24 ቢንያም ግርማይ ኣብ 2022 ኣብ ቱር ክላሲክ ናይ ሀንት ዎቨልሀም(Gent-Wevelgem) ዝተዓወተ ናይ ፈለማ ጸሊም ኣፍሪቃዊ ብምዃን ታሪኽ ከመዝግብ እንከሎ፡ ኣብ 2022'ውን ብተመሳሳሊ ኣብ ዙር ኢጣልያ ሓደ መድረኽ ብምዕዋት ተመሳሳሊ ታሪኽ ሰሪሑ’ዩ። ድሕሪ ናይ ኢጣልያ ናይ መድረኽ ዓወት ግን ሻምፓን ኣብ ምኽፋት ሓደጋ ምስ ኣጓነፎ ካብቲ ውድድር ተኣልዩ’ዩ። ቢንያም ብተመሳሳሊ ኣብቲ ዝዓበየ ውድድር ዙር ፈረንሳ 2023 ኣብ ሓደ መድረኽ ሳልሳይ ብምውጻእ ተመሳሳሊ ፈላማይ ጸሊም ኣፍሪቃዊ ናብ መድረኽ ዝደየበ ኰይኑ ካልእ ክብረ-ወሰን’ውን ኣመዝጊቡ’ዩ። ... ድምጺ ኣመሪካ 5 d
ኣብ መንጎ ሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያን ዕጡቓት ፋኖን ዝካየድ ውግእ ኣብ ሲቪላዊያን ጉድኣት ምውራዱ ተገሊጹ Public Domain  — ደሴ — ኣብ መንጎ ሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያን ዕጡቓት ፋኖን ብዝተኻየደ ውግእ  ካብን ናብ ደሴን ወልድያን ይጓዓዛ አብ ልዕሊ ዝነበራ ክልተ መካይን ጉድኣት ከምዘውረደ ተፈሊጡ። ወሃብቲ ርእይቶ ንድምጺ ኣመሪካ ከምዝገለጽዎ "ካብ ወልድያ ናብ ደሴ ትጓዓዝ ዝነበረት ኣውቶብስ፣ ብበራሪ ጥይት ድሕሪ ምውቃዓ፣ ዘዋሪኣን ተሳፈርቲን ተቀቲሎም"  ይብሉ። ብዝሒ’ቶም ግዳያት ንምጽራይ ናብ ሆስፒታል ወልድያብምድዋል ሓበሬታ ንምርካብ ዝተኻየደ ፈተነ  ኣይሰለጠን።  እዚ ከምዚ'ሉ ከሎ፣ ኣብ ሰሜን ሽዋ ዞባ ሽዋ ሮቢትን ኣርማንያን፣ ኣብ ሞንጎ ሰራዊት ኢትዮጵያን ዕጥቓት ፋኖን አብ ዝዋዓለ ውግእ፣ ነቲ ካብ ደሴ ናብ ኣዲስ ኣበባ ከምኡ'ውን ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ደሴ ዝጓዓዛ ዝነበራ መካይን፣ ብውሑድ ንሰለስተ ሰዓታት ጠጠው ንክብላ ከምዝተገደዳ ዝመጸ ዜና ጠቂሱ። ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ፣ ብሰንኪ ኣብ ክልል ኣምሓራ ቀጺሉ ዘሎ ውግእ፣ ኣብ ልዕሊ ሰላማዊያን ሰባት ጉድኣት ይወርድ ከምዘሎ፣ ብዘይካ ብዕጡቓት ፋኖ፣ ሓይልታት መንግስቲ፣ ካብ ሕጊ ወጻኢ ቅትለት  ምፍጻሞም ዘተሓሳስብ እዩ ኢሉ'ሎ። ... ድምጺ ኣመሪካ 6 d
ንማሕበር ሓርበኛታት ስንኩላን ኲናት ኤርትራ ዝሕግዝ ሓበን-ኤሪ ናብ ግብራዊ ዕማም ይሰጋገር Public Domain  — ዋሽንግተን/ኣስመራ — ሓበን-ኤሪ ተባሂሉ ዝፍለጥ ኣብ ኣመሪካ ግዝኣት ኣትላንታ ዝመደበሩ ገባሪ ሰናይ ትካል፡ ቅድሚ ክልተ ሰሙን  ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ ንኣካለ-ስንኩላን ኤርትራ ንምሕጋዝ ዝቐንዐ ጉባኤ ጌሩ ኔሩ። እቲ ማሕበር ቅድሚ ክልተ ዓመታት ካብ ዝምስረት ንድሓር ንሃገራዊ ማሕበር ስንኩላን ኤርትራ  ፈላማይን ቀጥታዊን ናይ ገንዘብን ሕክምናዊ ንዋትን ድጋፍ ከም ዝገበረን ኣብዚ እዋን`ዚ ድማ ንኻልኣይ እብረ ሓገዝ ይዳሎ ከም ዘሎን ኣብቲ እዋን ተገሊጹ ኔሩ። ንገለ ካብ ኣካየድቲ`ቲ ፕሮጀክትን ካብቶም ተቐበልቲ ሓገዝን ብምዝርራብ ዝተዳለወ መደብ ኣብዚ ምክቻል ይክኣል፡፡ ... ድምጺ ኣመሪካ 6 d
ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኣስመራ ኣገልግሎት ቪዛ ክጅምር’ዩ Public Domain  — ዋሽንግተን — ኣብ ኣስመራ ዝርከብ ኤምባሲ ኣመሪካ ካብ ዝመጽእ ሰሙን 14 ግንቦት ጀሚሩ ስሩዕ ኣገልግሎት ቪዛ ክህብ ምዃኑ ኣፍሊጡ። መግለጺ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ከም ዝሕብሮ፡ እቲ ዝወሃብ ናይ ቪዛ ኣገልግሎት ከም እኒ ናይ ተመሃሮ፡ ሓጺር ምብጻሕን ምልውዋጥ ትምህርቲን ኰይኑ፡ ንናይ ነባርነት ቪዛን ካልእ ኣገልግሎትን ግን ኣይክህብን’ዩ። እንተዀነ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ፡ ብመንግስቲ ኣመሪካ ዓንቀጽ 243(d) ክልከላ ቪዛ ተገይሩሎም ዘለዉ ዜጋታት ኤርትራ ገና ማዕቀቦም ከም ዘይተላዕለ ሓቢሩ ኣሎ። ንሳቶም ድማ ካብ ዳይረክተር ጀነራል ንላዕሊ ዝርከቡ ሰብ-መዚ መንግስቲ፡ ላዕለዎት መራሕቲ ህግደፍ፡ ከምኡ’ውን ትሕቲ 21 ዝዕድመኦም ደቂ ሰበ-ሰልጣን መንግስቲን ኣንስቶምን የጠቓልል። ... ድምጺ ኣመሪካ 6 d
ሳልሳይ መድረኽ ዙር ኢጣልያ፡ ቢንያም ግርማይ ሳልሳይ ወጺኡ Public Domain  — ዋሽንግተን — ሎሚ ሰኑይ ኣብ ዝተቓንዐ ሳልሳይ መድረኽ ዙር ኢጣልያ፡ ንጋንታ ሶድላ ኲክ-ስቴፕ ዝወዳደር በልጅማዊ ቲም መርሌር ቀዳማይ ክወጽእ እንከሎ፡  ናይ ሊድል-ትረክ ጆናታን ሚላን ካልኣይ ኣብ ዝወጽኣሉ ኤርትራዊ ተሰላፊ ጋንታ ኢንተርማሽ ዝዀነ ቢንያም ግርማይ ድማ ሳልሳይ ወጺኡ። ቢንያም ድሕሪ ዓወቱ፡ “ዛዝሚ ሕንጻጽ ቅድሚ ዝተጸበኹዎ ግዜ በጺሕና። ደቂ ጋንታይ ብዝገበሩዎ ኣበርክቶ ተደጊፈ ድማ ነዚ ዓወት በቒዐ ኣለኹ። ሕጉስ’የ ንዝመጽእ ውድድራት ድማ ብተመሳሳሊ ክጽበ’የ፡” ኢሉ። ኣብ ውድድር ዙር ኢጣልያ 2022፡ ብሰንኪ ዳሕራይ ዘጋጠሞ ሓደጋ ዓይኒ ካብቲ ውድድር ደኣ ይተኣለ’ምበር፡ ኣብ መበል 10 ዙር እቲ ውድድር ቀዳማይ ብምውጻእ ታሪኽ ሰሪሑ’ዩ። ቢንያም ንመድረኽ ውድድር ዙር ኢጣልያ ዝተዓወተሉ ፈላሚ ጸሊም ኣፍሪቃዊ ተቐዳዳሚ ምጽዋዑ ይዝከር። ሎሚ ኣብ ዝነበረ መድረኽ፡ ታደጅ ፓጋቻ ሰለስተ ኪሎሜተር ክትረፎ እንከሎ መጥቃዕቲ ፈንዩ ንጉጅለ ክመርሕ እኳ እንተፈተነ፡ ኣብ መወዳእታ ግን ኣይቀንዖን። ብተዛማዲ ጎልጎል ዝበዝሖ ሳልሳይ መድረኽ ዙር ኢጣልያ ን166 ኪሎሜተር’ዩ ዝሽፍን ነይሩ። ቢንያም ኣብዚ ሓያል ውድድር ታሪኽ ንምድጋም’ዩ ተዳልዩ መጺኡ ዘሎን ጋንታኡ’ውን ዓቢ ተስፋ ኣንቢራትሉ አላ። ዙር ኢጣልያ፡ ድሕሪ ዙር ፈረንሳ ካብቶም ዝዓበዩ ስም ዘለዎ ውድድር’ዩ። ... ድምጺ ኣመሪካ 1 w
ኣብ ክልል ጋምቤላ ዕጡቓት ሽውዓተ ሰባት ኣቑሲሎም Public Domain  — ኣዲስ ኣበባ — ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም 26 ሚያዝያ 2016 ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ጋምቤላ መንነቶም ዘይተፈልጡ ዕጡቓት ኣብ ልዕሊ ሓንቲ ኣውቶቡስ ብዝፈነውዎ መጥቃዕቲ ሸውዓተ ሰባት ከምዝቖሰሉ ነበርቲ እቲ ከባቢ ንድምፂ ኣመሪካ ሓቢሮም። ሓላፊ ቀዳማይ ብርኪ ሆስፒታል ከተማ ጋምቤላ፣ ኣቶ ሮን ጎኝ፣ “ግዳያት ናይ እቲ መጥቃዕቲ ዝኾኑ ሸውዓተ ሰባት ተቐቢልና ንሕክም ኣለና፣ ካብኣቶም እቶም ሰለስተ ብኸቢድ ዝቖሰሉ እዮም” ክብሉ ኣረዲኦም። ዲሞክራሲያዊ ምንቅስቓስ ህዝብታት ጋምቤላ ናይ ዝበሃል ተቓዋሚ ውድብ ኣቦመንበር ዝኾኑ ኣቶ ሳይመን ቱት ብወገኖም፣ እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ጥቓ ከተማ ጋምቤላ ከምዝተፈፀመ ብምግላጽ፣ እታ ኣውቶቡስ 60 ሰባት ፅዒና ካብ ወረዳ ኢታንግ ናብ ከተማ ጋምቤላ ትጎዓዝ ምንባራ ሓቢሮም። ኣብቲ ከባቢ ተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ከምዝፍፀም ዝገለፁ ኣቶ ሳይመን፣ መንግስቲ ነቶም ገበነኛታት ናብ ሕጊ ከቕርቦም ፀዊዖም። ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ሰላምን ፀጥታን እቲ ክልል ኣቶ ባጓል ጆክ ድማ፣ መንግስቲ ነቶም ገበን ዝፈፀሙ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ንምውዓል ይሰርሕ ምህላውን፣ ዛጊድ ናይ 11 ሰባት ኣስማት ምቕልዑን ገሊፆም።ንፈጸመቲ'ቲ መጥቃዕቲ ኣብ ቐይዲ ንምውዓል  ሕብረተሰብ ክተሓበበረ'ውን ጸዊዖም።         ... ድምጺ ኣመሪካ 1 w
ሰራዊት ህጹጽ ወሃብ ድጋፍ ሱዳን ንህወሓት ይኸስስ፡ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ነቲ ክሲ ይነጽግ Public Domain  — ዋሽንግተን — ብጀነራል ሓምዳን መሓመድ ዳጋሎ (ሕሜቲ) ዝምራሕ ሓይልታት ህጹጽ ውሃብ ድጋፍ ሱዳን፡ መወዳጋእቱ ሰራዊት ምክልኻል ሱዳን፡ ብናይ ደገ ዕሱባት ገይሩ ይዋጋእ ኣሎ ክብል ኣብ ማሕበራዊ ገጻቱ ከሲሱ። መግለጺ እቲ ኣሃዱ፡ ሰራዊት ኣል-ቡርሃን፡ ካብ ጎረባብቲ ሃገራት ድጋፍ ወታሃደራት ንምርካብ ክሰርሕ ጸኒሑ ድሕሪ ምባል፡ ከም መቐጸልታ እላሻኡ ድማ “ንኣባላት ሰራዊት ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ኣሰሊፉ ይዋጋእ ኣሎ፡” ኢሉ። መግለጺ ሰራዊት ህጹጽ ወሃብ ድጋፍ፡ እቶም ካብ ትግራይ ተሰሊፎም ኢሉ ዝኸሶም ዕጡቓት ብገንዘብ ከም ዝተዓስቡ’ዩ ዝኸስስ። እቲ ኣሃዱ፡ ካብቶም ብገንዘብ ተዓሲቦም ዝዋግኡ ብዙሓት ምማቶም’ዩ ክጥቀስ እንከሎ፡ ሬሳታቶም ድማ ኣብ ወርሓት ሕድርን ታሕሳስን ናይ ዝሓለፈ ዓመት ናብ ዓዶም ከም ዝተላእኩ ስለያዊ ሓበሬታኡ ከም ዝረኸቦ ይሕብር። ኣብዚ ጉዳይ ኣመልኪቱ ግዜያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ምላሽ ሂቡ ኣሎ። መግለጺ ግዜያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ፡ “ህወሓት ፖለቲካዊ ውድብ ደኣ’ምበር ናቱ ሰራዊት የብሉን፡” ድሕሪ ምባል፡ ነቲ ክሲ “ፍጹም መሰረት ኣልቦ” ክብል ነጺጉ። ኣስዒቡ ድማ “ብናይ ወጻኢ ምትእትታዋት ዕንወት ዝወረዶ ህዝቢ ትግራይ ሳዕቤን ጣልቃ ምእታው ዝርዳእን ኣብ ሓደጋ ወዲቑ እናሃለወ መጽለሊ ዝኾኖ ሕውነት ህዝቢ ሱዳን ዝፈልጥን ብምዃኑ ብመትከል ዝቃወም እዩ፡” ኢሉ። ንምምላስ ኣብ ሱዳን ዝርከቡ ተወላዶ ትግራይን ካልእ ጉዳያትን ምስ ፈደራል መንግስቲ ሓቢሩ ይሰርሕ ምህላዉ እውን ኣመልኪቱ እቲ መግለጺ። ድምጺ ኣመሪካ ኣብዚ ጉዳይ መብርሂ ንምርካብ ካብ ወሃብ-ቃል መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ሰራዊት ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ከምኡ’ውን ክልተ ወገናት ሓይልታት ሱዳን ዝገበሮ ጻዕሪ ዛጊት ኣይቀንዐን።   ... ድምጺ ኣመሪካ 1 w
ጻንሖት ምስ ኣቶ መኮነን ምስግና -- ኣብ ጉዳይ ናጽነት ፕረስ ኤርትራ Public Domain  — ዋሽንግተን ዲሲ — ምሩቕ ስነ-ጋዜጠኝነትን ኣብ ፈለማ ናጽነት ኤርትራ ንጋዜጠኛታት ናይ ሽዕኡ ክፍሊ ዜናን ባህሊን ስልጠና ዝሃበን ኣብ ኤርትራ መደበር ረድዮ ናይ ምኽፋት ሕልሚ ዝነበሮን መኮነን ምስግና፡ ምኽንያት ዓለማዊ መዓልቲ ናጻ ፕረስ ብምግባር ጋሻና ጌርናዮ ኣሎና። ኤርትራ እትመርሐን ኣብ ደረጃታት ናጽነት ፕረስ ዝተሓተ መዕቀኒ ዘመዝገባ ሃገራት ዘለወን ፍልልይን ተመሳልነትን፣ ዕፈና ናጻ መድረኻት ኣብ ኤርትራውያን ፈጢሩዎ ብዛዕባ ክህሉ ዝኽእል ተደማማሪ ሳዕቤን፣ ተራን ድሩትነትን ካብ ደገ ዝፍነዋ ናጻ መራኸቢታት ወዘተ. ኣልዒልና ኣዋጊዕና ኣሎና። ነባሪ ጀርመን ዝዀነ ኣቶ መኮናን ንዝሓለፉ ልዕሊ ሰላሳ ዓመታት ኣብ በበይኑ ቦታታትን ብዝፈተላለየ ጽፍሒን ኣብ ፖሊሲታት መዲያ ምምኻር፣ ተበግሶታት ምምራሕን ኣብ ትግባረ መደባት ኣብ ምስራሕን ክነጥፍ ዝጸንሐን ዘሎን ዜጋ’ዩ። ... ድምጺ ኣመሪካ 1 w
ዕጡቓት ክልል ኣምሓራ ውጥን ምምላስ ተመዛበልቲ ንኲናት ምድላው'ዩ ክብል ይኸሱ Public Domain  — ዋሽንግተን — መራሕቲ ዕጡቓት ክልል ኣምሓራ፡ ኣብ ክልል ትግራይ ዘለዉ መራሕቲ ብሽም ምምላስ ተመዛበልቲ ናይ ኲናት ከበሮ ይሃርሙ ኣለዉ ክብሉ ከሲሶም።  ዕጡቓት ፋኖ ኣብ መግለጺኦም ዝሓለፈ ሰሙን ምኽትል ግዜያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ጀነራል ታደሰ ወረደ ዝሃቦ መግለጺ  ንኲናት ዝትኹቱኽ `ዩ ምባሎም ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ጸብጺቡ`ሎ።   ... ድምጺ ኣመሪካ 1 w
ጠመተ ኣብ ናጻ ፕረስ ኤርትራ -- “ኣብ ተመሳሳሊ ዓንኬል” Public Domain  — ዋሽንግተን — ጋዜጠኛታት ብዘይዶብ ዝተባህለ ተሓላቒ መሰላት ጋዜጠኛታት፡ ዓርቢ 3 ግንቦት ተዘኺሩ ብዝውዕል መዓልቲ ናጻ ፕረስ፡ ዓመታዊ መስርዕ ናጽነት ፕረስ 180 ሃገራት ወግዓዊ ገይሩ ኣሎ። ኤርትራ ካብ 180 ሃገራት ኣብ ዝተሓተ መስርዕ ማለት መበል 180 ሒዛ ኣላ። ድሕሪ ምዕጻው ጋዜጣታት ብሕቲን ማእሰርቲ ጋዜጠኛታትን ኤርትራ ኣብዚ ናይ መጨረሽታ መስርዕ ደጋጊማ ተቐሚጣ ኣላ። ንኹነታት ናጻ ፕረስን ዝርጋሐ ሓበሬታን ኤርትራ ኣመልኪትና እምበኣር ኣብዚ ጉዳይ ዝያዳ መብርሂ ንኽህበና፡ ንኣቶ መኮነን ምስግና ኣዘራሪብናዮ ኣሎና። ምሩቕ ስነ-ጋዜጠኛነት ዝዀነ ኤርትራዊ-ጀርመናዊ መኮነን፡ ንዝሓለፉ ኣስታት 30 ዓመታት ኣቢሉ ምስ መራኽቢታት ኣመልኪቱ ዝሰርሕ ኰይኑ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ፈደራል መንግስቲ ጀርመን ኣባል ቤት ምኽሪ ጸረ-ዓሌትነትን ኣብ ዶቸ ቬለ ኣብ ዝቐርብ “To the Point” ኣብ መደብ ድማ ስሩዕ ተዛታዪን’ዩ። ... ድምጺ ኣመሪካ 1 w
ኣዲስ ኣበባ -- ሓሙሽተ ኣገልገልቲ ቤተክርስትያን ተኣሲሮም Public Domain  — ኣዲስ ኣበባ — ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኢትዮጵያ፡ ትማሊ ሓሙስ ሓሙሽተ ኣገልገልቲ ከም ዝተኣሰሩዋ ኣፍሊጣ። ኣብ ቤት ፅሕፈት መንበረ ፓትሪያርክ፡ ሓላፊ ክፍሊ ሜድያን ሕትመትን ዝኾኑ መምህር ዶ/ር ኣካለወልድ ተሰማ ንድምፂ ኣመሪካ ኣብ ዝሃቡዎ ቃለመሕትት፣ እቶም ሓሙሽተ ኣገልገልቲ ኣብ ቤት ጽሕፈት ምርመራ ገበን ፌደራል ፖሊስ ተኣሲሮም ከምዘለው ኣረጋጊፅና ኣለና ኢሎም። ካብ መንጎ እቶም ተኣሲሮም ዝተባሃሉ ኣገልገልቲ ኣብ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያ፣ ዋና ኣካያዲ ስራሕ ኣህጉረ ስብከት ደቡብን ምዕራብን ኣፍሪቃ፣ መሪጌታ ብርሃኑ ተክለ ያሬድ ከም ዝርከቡዎም መምህር ዶ/ር ኣካለወልድ ገሊፆም። እቶም ኣገልገልቲ ኣብ ቐይዲ ዝኣተውሉ ምኽንያት፣ ምስቲ ቤተክርስቲያን ዝሃበቶም ሓላፍነት ዝተኣሳሰር ይኹን ኣይኹን ንምፅራይ፣ ክትትል ንገብር ኣለና ክብሉ እውን ተዛሪቦም። ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ርእይቶ ክህቡና ዝሓተትናዮም ወሃቢ ቃል ፌደራል ፖሊስ ኢትዮጵያ ጀላን ዓብዲ፣ እቲ ጉዳይ ንኮማንድ ፖስት እዩ ዝምልከት ዝብል ምላሽ ሂቦም ኣለው። ሎሚ ድሕሪ ቐትሪ ድማ ካብቶም ሓሙሽተ እሱራት እቶም ክልተ ከምዝተፈትሑ ተፈሊጡ ኣሎ።   ... ድምጺ ኣመሪካ 1 w
ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ኣመሪካ ንጸብጻብ ሰብኣዊ መሰላት ይነጽግ Public Domain  — ዋሽንግተን — ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ ዝርከብ ኤምባሲ ኤርትራ ነቲ ብ22 ሚያዝያ ብሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ኣመሪካ ዝወጽአ ዓመታዊ ጸብጻብ ሰብኣዊ መሰላት ሃገራት፡ “ኣብ ኣገባብ ኣተኣኻኽባኡ ስሕተት ዘለዎን ፖለቲካዊ ዕላማ ዝመንቀሊኡን” ክብል ኣትሪሩ ነጺጉዎ። ኣብቲ ትማሊ ሓሙስ 2 ግንቦት ዝወጽአ መግለጺ፡ “ኣመሪካ ንናይ ካልኦት ሃገራት ሰብኣዊ መሰላት ክትመዝን ሞራላዊ ሓላፍነት የብላን፡” ብምባል፡ “እቲ ጸብጻብ መቐጸልታ’ቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐ ናይ ምጽላም ዘመተ’ዩ” ክብል ኰኒኑዎ። ንኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ኣመልኪቱ፡ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፡ ኣብቲ ንኣስታት 200 ሃገራት ርእሰ-ምምሕዳራትን ዘውጽኦ ዓመታዊ ጸብጻብ፡ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ኣዝዩ ዘተሓሳስብን ንኣድማሳዊ ኣዋጅ ሰብኣዊ መሰላት ዝጥሕስን’ዩ ክብል ገሊጹዎ ነይሩ።   ... ድምጺ ኣመሪካ 1 w
ዓመታዊ መስርዕ ዶብ-ኣልቦ ጋዜጠኛታት -- ኤርትራ ዝተሓተ መስርዕ ሒዛ Public Domain  — ዋሽንግተን — ዶብ-ኣልቦ ጋዜጠኛታት ዝተባህለ ንመሰል ናጽነት ፕረስ ዝጣበቕ ዘይመንግስታዊ ማሕበር፡ ብምኽንያት ሎሚ ዓርቢ 3 ግንቦት ተኸቢሩ ዝውዕል መዓልቲ ናጽነት ፕረስ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ምስ ምስፋሕ ጎንጽታትን ኲናትን ብዓለም ደረጃ ናጽነት ፕረስ እናንቆልቆለ ምምጻኡ ኣመልኪቱ። እቲ ትካል ወሲኹ፡ እቲ ቀንዲ ስእነት ናጻ ፕረስ ብፖለቲካውያን መራሕቲ ዝርአ ብዅረት ምክልኻል ንናጻ ፕረስ ምዃኑ ጠቒሱ ኣሎ። ኣብቲ ሎሚ ዝተዘርግሐ ዓመታዊ ተርታ ሃገራት ናጻ ፕረስ፡ ኤርትራ ካብ 180 ሃገራት እታ ዝኸፍአ ናጽነት ፕረስ ዝርኣየላ ሃገር ተሰይማ ኣብ ዝተሓተ ደረጃ ማለት 180 ካብ 180 ሃገራት ተሰሪዓ ኣላ። ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ዝተዝርግሐ መስርዕ፡ ኤርትራ መበል 174 ክትስራዕ እንከላ፡ ኣብ መጨረሽታ ናይቲ ምድብ ሰሜን ኮርያ’ያ ነይራ። ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት መስርዕ ኢትዮጵያ መበል 141 ካብ 180 ሃገራት ተርታ ሒዛ ኣላ። ኢትዮጵያ ዝሓለፈ ዓመት መበል 130 ተርታ’ያ ተሰሪዓ ነይራ። ናይ ሎሚ ዓመት ዝበለጸ ናጻ ፕረስ ዝተራእየላ ሃገር ኖርወይ ክትከውን እንከላ፡ ኣመሪካ መበል 55 ካብ 180 ሃገራት ተሰሪዓ ኣላ። ... ድምጺ ኣመሪካ 1 w
ቤት ፍርዲ ኣዲስ ኣበባ፡ ኣብ ልዕሊ እሱር ቀሺ በላይ፡ ኣኽባር ሕጊ ክሲ ክምስርት ይሓትት Public Domain  — ኣዲስ ኣበባ — ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ቤት ፍርዲ፡ ንኣኽባር ሕጊ እታ ሃገር፡ ኣብ እሱር ቀሺ በላይ መኮነን ኣብ ውሽጢ 15 መዓልታት ክሲ ክምስረተሎም ሓቲቱ። ኣብ መንበረ ፓርትሪያሪክ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኢትዮጵያ ምኽትል ኣካያዲ ስራሕ ዝዀኑ ቀሺ በላይ መኮነን፡ ብ15 ሚያዝያ ብናይ ሓሶት ሰነዳት ካብ ሕሳብ ሕብረት ኣፍሪቃ 6- ሚልዮን ዶላር ንምውጻእ ፈቲኖም ብዝብል’ዮም ኣብ ማእሰርቲ ዝርከቡ ዘለው። ብዋሕስ ካብ ማእሰርቲ ክወጽኡ ሓቲቶም፡ እሱር፡ ብቤት-ፍርዲ ከም ዝተኸልከሉ ይፍለጥ። ሕብረት ኣፍሪቃ ትማሊ ረቡዕ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ብሳላ ምትሕብባር ባንክን ጨንፈር ፋይናንስ እቲ ትካል ነቲ ዘረፋ ከፍሽሎ ምኽኣሉ ክግለጽ እንከሎ፡ ተመሳሳሊ ተግባራት ከይድገም ግን ንግዳዊ ባንክ ኢትዮጵያ ስራሓቱ ከሕይል ኣዘኻኺሩ ኣሎ። ... ድምጺ ኣመሪካ 1 w
ክልል ጋምቤላ -- ዝተጨወዩ ህፃናት ይምለሱ Public Domain  — ኣዲስ ኣበባ — ኣብ ክልል ጋምቤላ ኢትዮጵያ ቅድሚ ሓደ ወርሒ ኣብ ወረዳ ጆር ዕጡቓት ብዝፈነውዎ መጥቃዕቲ ካብ መንጎ ዝተጨወዩ 12 ህፃናት፣ እቶም ሸሞንተ ከም ዝተመለሱ ሰበስልጣን እቲ ክልል ንድምፂ ኣመሪካ ገሊፆም። በቲ ተፈፂሙ ዝተባህለ መጥቃዕቲ፣ 51 ሰባት ከምዝተቐተሉን፣ ልዕሊ 6-ሽሕ ሰባት ከም ዝተመዛበሉን እውን ሓቢሮም። ሓለፍቲ'ቲ ክልል ነቲ ዝተፈጥረ ሃጓፍን ዝሰዓበ ማሕበረ-ቍጠባዊ ቅልውላውን ንምዕራይ ይሰርሑ ከም ዘለዉ ይገልፁ።   ... ድምጺ ኣመሪካ 1 w
"ግዜያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይን ፈደራላዊ መንግስቲን ኣብ ሓያሎ ጉዳያት ሓባራዊ መርገፂ ኣለዎም” ሌ/ጀ ታደሰ ወረደ Public Domain  — መቐለ — ፈደራላዊ መንግስቲ “ኣከራኻሪ” ኢሉ ኣብ ዝፅውዖም ከባቢታት ድሕሪ ኲናት ዝተመስረቱ ምምሕዳራት ምፍራስ፣ ተመዛበልቲ ምምላስን ምጥያሽ ሓዱሽ ምምሕዳርን ክሳብ ሰነ 30 ክዛዘም ኣብ ስምምዕነት ከም ዝተበፅሐ፣ ምክትል ፕረዚደንት ጊዜያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ሌተናንት ጀነራል ታደሰ ወረደ ገሊፆም። ሌ/ጀነራል ታደሰ ሎሚ ንማዕከናት ዜና እቲ ክልል ኣብ ዝሃቡዎ ነቲ ምኽትል ቀዳማይ ሚኒስተር ተመስገን ጥሩነህ፡ ኣብ ክልል ትግራይ ንጸገማት ብሓይሊ ንፍታሕ ዝደልዩ ኣለዉ ዝበሎ`ውን ምላሽ ሂቦምሉ ኣለዉ።   ... ድምጺ ኣመሪካ 1 w
ኣቶ ሓድሽ መብራህቱ: ህዝብታት ኣብ ምቅርራብን ስደተኛታት ምስ ማሕበረሰብ ኣብ ምውህሃድን Public Domain  — ዋሽንግተን — ህዝብታት ኣብ ምቅርራብን ስደተኛታት ምስቲ ዘተኣናግዶም ዘሎ ማሕበረሰብን ሃገርን ንኽወሃሃዱ ኣብ ምሕጋዝ ዝነጥፍን በዚ ንዓመታት ዝገበሮ ኣበርክቶ ኸኣ ናይታ ሃገር ናይ ክብሪ ሽልማት ዝረኸበ ኤርትራዊ ሆላንዳዊ ኣቶ ሓድሽ መብራህቱ ንሎሚ ጋሻ መደብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ጌርና ኣዘራሪብናዮ ኣለና። ንዝረኸቦ ኣፍልጦን ካልእ ዝነጥፈሉ ስራሓትን ኣመልኪትና'ውን ኣዕሊልና ኣሎና.፡ ንምክትታል መላግቦ ሰዓቡ።      ... ድምጺ ኣመሪካ 1 w
ምስ ኣቶ ሓድሽ መብራህቱ -- ተሸላሚ ጸላዊ ዜጋ ንግስነት ኔዘርላንድስ Public Domain  — ዋሽንግተን — ህዝብታት ኣብ ምቅርራብን ስደተኛታት ምስቲ ዘተኣናግዶም ዘሎ ማሕበረሰብን ሃገርን ንኽወሃሃዱ ኣብ ምሕጋዝ ዝነጥፍን በዚ ንዓመታት ዝገበሮ ኣበርክቶ ኸኣ ናይታ ሃገር ናይ ክብሪ ሽልማት ዝረኸበ ኤርትራዊ ሆላንዳዊ ኣቶ ሓድሽ መብራህቱ ንሎሚ ጋሻ መደብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ጌርና ኣዘራሪብናዮ ኣለና። ንዝረኸቦ ኣፍልጦን ካልእ ዝነጥፈሉ ስራሓትን ኣመልኪትና'ውን ኣዕሊልና ኣሎና.፡ ንምክትታል መላግቦ ሰዓቡ።      ... ድምጺ ኣመሪካ 1 w
ህዝቢ ምስ ህዝቢ፡ ምስ ኣቶ ሓድሽ መብራህቱ Public Domain  — ዋሽንግተን — ህዝብታት ኣብ ምቅርራብን ስደተኛታት ምስቲ ዘተኣናግዶም ዘሎ ማሕበረሰብን ሃገርን ንኽወሃሃዱ ኣብ ምሕጋዝ ዝነጥፍን በዚ ንዓመታት ዝገበሮ ኣበርክቶ ኸኣ ናይታ ሃገር ናይ ክብሪ ሽልማት ዝረኸበ ኤርትራዊ ሆላንዳዊ ኣቶ ሓድሽ መብራህቱ ንሎሚ ጋሻ መደብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ጌርና ኣዘራሪብናዮ ኣለና፡፡     ... ድምጺ ኣመሪካ 1 w
"ግዜያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይን ፈደራላዊ መንግስቲን ኣብ ሓያሎ ጉዳይት ሓባራዊ መርገፂ ኣለዎም” ሌ/ጀ ታደሰ ወረደ Public Domain  — መቐለ — ፈደራላዊ መንግስቲ “ኣከራኻሪ” ኢሉ ኣብ ዝፅውዖም ከባቢታት ድሕሪ ኲናት ዝተመስረቱ ምምሕዳራት ምፍራስ፣ ተመዛበልቲ ምምላስን ምጥያሽ ሓዱሽ ምምሕዳርን ክሳብ ሰነ 30 ክዛዘም ኣብ ስምምዕነት ከም ዝተበፅሐ፣ ምክትል ፕረዚደንት ጊዜያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ሌተናንት ጀነራል ታደሰ ወረደ ገሊፆም። ሌ/ጀነራል ታደሰ ሎሚ ንማዕከናት ዜና እቲ ክልል ኣብ ዝሃቡዎ ነቲ ምኽትል ቀዳማይ ሚኒስተር ተመስገን ጥሩነህ፡ ኣብ ክልል ትግራይ ንጸገማት ብሓይሊ ንፍታሕ ዝደልዩ ኣለዉ ዝበሎ`ውን ምላሽ ሂቦምሉ ኣለዉ።   ... ድምጺ ኣመሪካ 1 w
መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ቁጽሪ ተሳፈርቱ ብ30% ከዕቢ ትጽቢት ከም ዘለዎ ኣፍሊጡ Public Domain  — ዋሽንግተን — መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ቁጽሪ ተሳፈርቱ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ብ30% ከዕቢ ትጽቢት ከም ዘለዎ ኣፍሊጡ። ዋና ኣመሓዳሪ`ቲ መንገዲ ኣየር ኣቶ መስፍን ጣሰው ንሮይተርስ ከም ዝሓበሮ፡ ነቲ ወሰኽ ቀንዲ ምኽንያት፡ ሓደስቲ መስመራትን ምምላስ ዓለምለኸ መገሻ ናብ ንቡርን`ዩ። እንተኾነ እቲ ኣብ ኣፍሪቃ ዝዓበየ መንገዲ ኣየር፡ ዝኣዘዘን ነፈርቲ ብምድንጓየንን፡ ብሰንኪ ሕጽረት ሞተረታት ኣብ መሬት ጠጠው ክብላ ስ-፡ዝተገደዳን፡ ብዙሕ ብድሆታት ገጢምዎ ከም ዘሎ ኣቶ መስፍን ሓቢሩ'ሎ። እቲ ሓላፊ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣተሓሒዙ፡ ከም ቦይንግ ዝበሉ ኣፍረይቲ ነፈርቲ  ኣብ ግዜ ከብጽሑሎም ስለዘይከኣሉ፡ ኣብ ኣገልግሎት ገያሾ ሕጽረት የጋጥም ከም ዘሎ ሓቢሩ። ቅድሚ ዝሓለፈ ሰነ 2023 ዝነበረ ዓመት፡ 13.9 ሚልየን ገያሾ ከም ዘሳፈረ ዝገልጽ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ኣብዚ እዋን`ዚ 146 ናይ ቦይንግ ነፈርቲ ከም ዘለውኦን 70 ተወሰኽቲ ኣዚዙ ከም ዘሎን ኣፍሊጡ`ሎ። ምስቲ ኩሉ ብድሆታቱ ኣብዚ ዓመት ኣታዊኡ ብ 20% ብምዕባይ ናብ 7.3 ቢልየን ዶላር ክብ ከብሎ ምኽኣሉ ኣቶ መስፍን ጣሰው ንሮይተርስ ሓቢሩ`ሎ። ... ድምጺ ኣመሪካ 1 w
ኢትዮጵያ፡ ኤውሮጳዊ ሕብረት ንዝወሰዶ ስጕምቲ ቪዛ ትቃወም Public Domain  — ዋሽንግተን — ኤውሮጳዊ ሕብረት፡ ኢትዮጵያ ኣብ ምቕባል ዝተነጽጉ ሓተትቲ ዑቕባ ዝድለ ምትሕብባር ኣየገበረትን ብምባል ንዘንበሮ ምትራር ቪዛ ኣትሪራ ተቓዊማቶ። ብኤውሮጳዊ ሕብረት ዝተነብረ ክልከላ፡ ኢትዮጵያውያን ናብቲ ሕብረት ሓንሳብ ጥራይ ዘእቱ ቪዛ ክረኽቡ፣ ንውሓት መስርሕ ግዜ ቪዛ ካብ 15 መዓልታት ናብ 45 ክናዋሕ፣ ዲፕሎማት’ውን ክፍሊት ቪዛ ክኸፍሉ ዝብል ይርከቦ። ነቲ ብኤውሮጳዊ ሕብረት ዝወጽአ መግለጺ ምላሽ ዝሃበ ኣብ ብራስለስ ዝርከብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ስጉምቲ እቲ ሕብረት ከም ዝደንጸዎ ክገልጽ እንከሎ፡ ቅልጡፍ ዳግመ-ምትዕርራይ ክግበረሉ ጸዊዑ። መግለጺ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣስዒቡ፡ ስጕምቲ ኤውሮጳዊ ሕብረት “መንነት ዜጋታት ንምጽራይ ዝግበሮ ጻዕሪን ድሮ ዘርኣዮ ምትሕብባርን ኣብ ግምት ዘየእተወ’ዩ፡” ኢሉዎ ኣሎ። ኤውሮጳዊ ሕብረት ተመሳሳሊ ናይ ቪዛ ምትራር ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ጋምቢያ ምግባሩ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ የመልክት።   ... ድምጺ ኣመሪካ 1 w
ሕብረት ኣፍሪቃ ገንዘቡ ካብ ምዝራፍ ከም ዘፍሸለ ይገልጽ፡ ንዝሓየለ ጥንቃቐ ድማ ይጽውዕ Public Domain  — ዋሽንግተን — ሕብረት ኣፍሪቃ ሎሚ ረቡዕ 1 ግንቦት 2024 ኣብ ዘውጽኦ ጋዜጣዊ መግለጺ ገንዘቡ ካብ ምዝራፍ ከም ዘፍሸለ ይገልጽ፡ ንዝሓየለ ጥንቃቐ ድማ ይጽውዕ። እቲ ሕብረት ካብ ካዝናኡ ብመንገዲ ንግዳዊ ባንክ ኢትዮጵያ ኣቢሉ ናይ ሽዱሽተ ሚልዮን ዶላር ንምዝራፍ ዝተገበረ ፈተነ ከም ዘፍሸሎ ኣፍሊጡ። እቲ ሕብረት ኣብ መግለጺኡ፡ ብ15 ሚያዝያ፡ ብስኑዕ ሰነዳት፡ ገንዘብ እቲ ትካል ንምስራቕ ዝተገብረ ፈተነ ንምትሕብባር ሰራሕተኛታት ባንክን ክፍሊ ፋይናንስ ኣፍሪቃዊ ሕብረትን ክፈሽል ምኽኣሉ ሓቢሩ። ብናይ ሓሶት ሰነዳት 6 ሚልዮን ዶላር ንምውጻእ ዝፈተኑ ኣብ መንበረ ፓርትሪያሪክ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኢትዮጵያ ምኽትል ኣካይዲ ስራሕ ዝዀኑ ቀሺ በላይ መኮነን በቲ ፈተነ ተኣሲሮም ንቤት ፍርዲ ምቕራቦም ይፍለጥ። መግለጺ ሕብረት ኣፍሪቃዊ በቲ ዝፈሸለ ፈተነ ኣድናቖቱ ክገልጽ እንከሎ፡ እቲ ባንክ ግን ንተመሳሳሊ ናይ ስልኳ ፈተነታት ምክትታሉ ከሕይል ጸዊዑ። ንግዳዊ ባንክ ኢትዮጵያ ኣብ ወርሒ መጋቢት፡ ኣብ ኣሰራርሓ ብዝተራእየ ክፍተት  ሚልዮናት ዶላር ከም ዝተዘርፎ ይዘከር። እቲ ባንክ 19.5 ሚልዮን ዶላር ዝኸውን ገንዘብ ከም ዝተሰርቀ ክሕብር እንከሎ፡ ንምንጭታት መራኸቢ ብዙሃት ዝጠቐሰ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ግን እቲ ዝተዘርፈ ገንዘብ 100 ሚልዮን ዶላር ከም ዝበጽሕ ኣመልኪቱ።   ... ድምጺ ኣመሪካ 1 w
“ክልል ኣምሓራ 4.1 ሚልዮን ቆልዑ ካብ ትምህርቲ በዂሮም” ኦቻ Public Domain  — ባህርዳር — ትካል ምውህሃድ ሰብኣዊ ሓገዛት ሕቡራት ሃገራት (ኦቻ) ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ብሰንኪ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝርአ ዘሎ ጎንጺ፡ ልዕሊ4,100 ኣብያተ-ትምህርቲ ተዓጽየን ምህላወን ኣመልኪቱ።  እቲ ትካል ወሲኹ፡ ካብ 300 ክሳብ 350 ዝኾና ኣብያተ-ትምህርቲ’ውን እንተስ ብኸፊል ወይ ድማ ብምሉእ ዓንየን ካብ ስራሕ በዂረን ምህላወን ሓቢሩ። በዚ መሰረት ድማ  ድማ ኣስታት 4.1 ሚልዮን ኣብ ትምህርቲ ክህልዉ ዝግበኦም ቆልዑ ካብ ስሩዕ ትምህርቲ ምብኳሮም ኦቻ ገሊጹ። እቲ ትካል ሕቡራት ሃገራት ኣብ መግለጺኡ፡ ድምር ውጽኢት ሰብ-ሰራሕ ቅልውላውን ባህርያዊ ደርቂን ተደሚሩ ንኣስታት 1.5 ሚልዮን ተመሃሮ ኣብ ኣብያተ-ትምህርቶም ተጸበይቲ መግቢ ኮይኖም ምህላዎም'ውን ይገልጽ። ድምጺ ኣመሪካ ዘዘራረቦም ወለዲ ብሰንኪ’ቲ ዘሎ ቅልውላዋትን ብኵራት ትምህርቲን ንትሕተ-ዕድመ መርዓታት ደቀንስትዮ ይድፍኡ ከም ዘለዉ ጠቒሶም። ... ድምጺ ኣመሪካ 1 w
ብሰንኪ ኣድማ መማህራን ዞባ ወላይታ ተዓጽዮም ዝነበሩ ኣብያተ-ትምህርቲ ምኽፋቶም ተገሊጹ Public Domain  — ሃዋሳ — ኣብ ደቡባዊ  ኢትዮጵያ ዞባ ወላይታናይ ክልተ ወርሒ ደሞዝና ኣይተኸፈለናን ብዝብል ኣድማ መማህራን ኣብያተ ትምህርቲ ንሰሙናት ተዓጽዮም  ድሕሪ ምጽናሕ ሕጂ ከም ዝተኸፍቱ ይግለጽ ኣሎ። ንድምጺ ኣመሪካ  ዝተዛረቡ መማህራን ካብ ዝሓለፈ ዓርቢ ጀሚሮም ደሞዞም ክኽፈሉ ከም ዝጀመሩ ሓቢሮም ኣለዉ። ኣቦ መንበር ማሕበር መማህራን ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ኣቶ ኣማንኤል ጳውሎስ፡ ኣስታት 17-ሺሕ ዝኾኑ መማህራን ደሞዞም ክኽፈሎም ክጽበዩ ከም ዝጸንሑ ገሊጹ`ሎ።  መንግስቲ'ቲ ክልል`ውን  ነዚ ከምኡ ዝበለ ምድንጓይ መሃያ መማህራን ዘላቒ ፍታሕ ክደልየሉ ጸዊዑ`ሎ ።   ... ድምጺ ኣመሪካ 1 w
ኣዲስ ኣበባ -- ሓደጋ ውሕጅ 4 ሰባት ቀቲሉ Public Domain  — ኣዲስ ኣበባ — ሎሚ፡ 21 ሚያዝያ፣ 2016 ዓ.ም ኣብ ኣዲስ ኣበባ፣ ክፍለ ከተማ ቦሌ ብዝወቐዐ ሓያል ዝናብ ህይወት 4 ሰባት ምሕላፉ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣፍሊጡ። ቤት ፅሕፈት ኣካያዲ ስራሕ ከተማ ኣዲስ ኣበባ፣ እቲ ሎሚ ንግሆ ዘጋጠመ ሓደጋ ውሕጅ፣ ኣብ ክፍለ ከተማ ቦሌ፣ ወረዳ 11፣ ፍሉይ ሽሙ ወረገኑ ኣብ ዝበሃል ከባቢ ከምዝኾነ ኣፍሊጡ ኣሎ። ኣብ ኣዲስ አበባ፣ ንማስተር ፕላን ዘይሓለዉ ኣብ ወሰን ሩባታት ዝህነፁ ኣባይቲ፣ ንሓደጋ ውሕጅ ዝተቓልዑ ስለዝኾኑ፣ ነዚኦም ንምዕራይ ይንቀሳቐስ ከምዘሎ ሓቢሩ። እቲ ሕብረተሰብ ልዑል ጥንቃቐ ክገብር ድማ ምዒዱ።     ... ድምጺ ኣመሪካ 2 w
ሕ/ኣውሮጳ ንኢትዮጵያዊያን ኣብ ዝወሃብ ቪዛ ቐይዲታት የጽንዕ Public Domain  — ዋሽንግተን — ሕብረት ኣውሮጳ ካብ ኢትዮጵያ ቪዛ ንዝሓቱ ዜጋታት ጽኑዕ መስርሕ ክህልው ምውሳኑ ኣፍሊጡ። ሕብረት ኣውሮጳ ነዚ ውሳነ ዘሕለፈ ኢትዮጵያ ሕቶ ዑቕባኦም ዝተነጽገን ናብ ሃገሮም ዝምለሱ ዘይሕጋዊያን ስደተኛታት ብዝምልከት "እኹል ምትሕብባር" ብዘይምርኣያ ከምዝኾነ ይሕብር። እዚ ውሳነ ኢትዮጵያዊያን ቪዛ ሃገራት ሕብረት ኣውሮጳ ንምርካብ ዘድልዮም መማልኢ ሰነድ ብዝምልከት ንዝነበሮም ውሑድ ቕይዲታት ዘስእን'ዩ፡ ብተወሳኺ ዝወሃብ ዝነበረ ተደጋጋሚ መእተዊ ፍቓድ ዝክልኽልን ዲፕሎማት ናብ ሃገራት ሕብረት ኣውሮጳ ክገሹ ምስ ዝደልዩ ክፍሊት ቪዛ ክኸፍሉ ዝብል ይርከቦ። ኢትዮጵያዊያን ቪዛ ሃገራት ሕብረት ኣውሮጳ ንምርካብ ዝወስድ ዝነበረ ጊዜ ድማ ካብ 15 መዓልታት ናብ 45 መዓልታት ክብ ምባሉ ተገሊጹ’ሎ። እዚ ተወሳኺ ቐይዲታት ኣብ ምሃብ ቪዛ ዝብል ውሳነ ሃገራት ሕብረት ኣውሮጳ አካል'ቲ ዋሕዚ ዘይሕጋዊያን ስደተኛታት ናብ ሃገራት ኣውሮጳ ንምእጋት  ዝውሰድ ዘሎ ስጉምቲታት ምዃኑ'ውን ይሕበር። ኣብ መጀመሪያ እዚ ወርሒ ኣባላት ፖርላማ ሕብረት ኣውሮጳ ዝተመሓየሽ ስርዓት ስደተኛታት ኣፅዲቖም እዮም። እቲ ደጋፊ ማእኸል ፖለቲካ ሕብረት ኣውሮጳ ከምዝበሎ እዚ ንቁፅሪ ብዘይሕጋዊ ሰነዳት ንዝኣትው ስደተኛታት ዝንኪ እዩ። ... ድምጺ ኣመሪካ 2 w
ስግኣትን ተስፋን ማሕበረሰባት ዶባት ኢትዮጵያን ኤርትራን Public Domain  — ዋሽንግተን — ምስ ኤርትራ ኣብ ዘዋስን ወረዳታት ክልል ትግራይ ዝርከቡ ነበርቲ ኣብ ስግኣት ከምዝርከቡ ነበርትን ኣመሓደርቲ ወረዳታትን ንድምጺ ኣመሪካ ገሊፆም። ንሶም ወሲኾም ኢትዮጵያዊያን ብግዲ ኤርትራዊያን ንክኾኑ ይግደዱ ኣለው  ይብሉ። ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብ ወረዳ ኢሮብ ጠቕሊሎም ብምውፅኦም ህዝቢ ኢሮብ ኣብ ዝለዓለ ስግኣት  ምውዳቖም ኣመሓዳሪ እቲ ወረዳ ይገልፁ። ብሚንስትሪ ሓበሬታ ኤርትራ  "ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ሓንሳብን ንሓዋሩን ምንቅጥቃጥ ምድሪ እውን ብዘይቅይሮ መገዲ ተመልኪቱ’ዩ’’ ዝብል ሓተታ ኣውፂኡ ኣሎ። ሓደ ብህዝቢ  ኢሮብ ዝተወከለ 12 ኣባላት ዝሓቖፈ ግዚያዊ ኮሚቴ ድማ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን  ምስ ሰበስልጣን ክልል ትግራይን ሚንስተር ምክልኻል ኢትዮጵያ ዶ\ር ኣብርሃም  በላይን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተራኺቡ ብዛዕባ "ሃለዋቱ ናይ ምጥፋእ ሓደጋ ኣንፀላሊዩዎ ኣሎ’’ ዝበሉዎ ብሄረሰብ ኢሮብ ምዝታዮም ሓደ ኣባል እቲ ኮሚቴ ንድምጺ ኣመሪካ ገሊፁ። ንኣመሓደርትን ነበርትን ወረዳታት ጉለ መኸዳን ኢሮብን፣ ንመግለፅታት መንግስታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ብምጥቓስን ብዛዕባ እቲ ዞባ ኣፍልጦ ንዘለዎም ተንተንቲ ብምዝርራብ ዝተዳለወ ፕሮግራም ኣብዚ ምክትታል ይክኣል።   ... ድምጺ ኣመሪካ 2 w
ብድሆታት ጥዕና ስነ ኣእምሮ ኣብ ስደተኛታት Public Domain  — ዋሽንግተን — ኣብ ካናዳ ትኹረት ብምግባር ኣብ ኩነታት’ቶም ካብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብፍላይ ካብ ኤርትራ ናብ ምዕራባዊ ዓለም ዝሰደዱ መንእሰያትን ዘጋጥሞም ብድሆታት ብፍላይ ምስ ጥዕና ኣእምሮ ብዝተሓሓዝ ክኢላታት ጥዕና ስነ- ኣእምሮ ካብ ካናዳ ኣቶ ዮሃንስ ፈርናንዶ ድራርን ኣቶ ኣቤል መድሃኔ ገ/የሱስ ኣዘራሪብናዮም ኣለና። ... ድምጺ ኣመሪካ 2 w
ስድራቤት እሱራት ወተሃደራት ደሃይ ይሓቱ፡ መላሲ ግን የሎን Public Domain  — ኣዲስ ኣበባ — ምስ ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ተተሓሒዙ ካብ ፈለማ እቲ ኲናት ኣትሒዞም ዝተኣስሩ ተወላዶ ክልል ትግራይ ኣባላት ሰራዊት ፈደራል መንግስቲ፡ ልዕሊ ሰለስተ ዓመት ኰይኑ ደሃዮም ከም ዘይብሎም ስድራቤቶም ንድምጺ ኣመሪካ ሓቢሮም። ብመሰረት ስምምዕ ተጻብኦታት ፕሪቶሪያ ክፍትሑ ዝነበሮም ተስፋ’ውን ዛጊት ከም ከምዘይተማልአ ይገልጹ። “ሂዩማን ራይትስ ፈርስት” ዝተባህለ ትካል ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰል ብወገኑ፡ ክሳብ ሐዚ 154 ተጋሩ ኣባላት ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ 16 ኣብያተ ማእሰርቲ ተኣሲሮም ከም ዘለዉ ኣረጋጊፀ ኣለኹ ይብል።  ... ድምጺ ኣመሪካ 2 w
ፖለቲካዊ ፓርትታት ኢትዮጵያ ንሃገራዊ ልዝብ ዝኸውን ኣጀንዳ ከዳልዉ ይሕተቱ Public Domain  — ዋሽንግተን — ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ፖለቲካዊ ፓርትታት ንሃገራዊ ልዝብ ዝኸውን ኣጀንዳ ከዳልዉ ይሕተቱ`ለዉ።  ገለ ፓርትታት ብወገኖም ኣብቲ መስርሕ ምኽክር ንምስታፍ ቅድመ-ኩነት የቕርቡ`ለዉ። ካብ መንጎ`ቶም ዝቐረቡ ቕድመ-ኩነታት ድማ ብፖለቲካዊ ኣረኣእዮኦም ጥራሕ ዝተኣስሩን ኣብቲ መስርሕ ልዝብ ዕዙዝ ተራ ክህልዎም ዝኽእልን ዝበሉዎም ኣባላቶም ክፍትሑ ኣለዎም ዝብል ይርኸብዎም። እቲ ኮሚሽን ብወገኑ እቲ መስርሕ ንኹሎም ኣካላት ከሳትፍ ስለዝግባእ ብፖለቲካዊ ፓርትታት ዝቐርብ ቅሬታታት መዕለቢ ክረክብ ኣብ ምጽዓር ከም ዝርከብ ኣፍሊጡ`ሎ። ድሕሪ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላትን ማእሰርትን ኣብቲ መስርሕ ልዝብ ኣሉታዊ ተጽዕኖ ጌሩ`ሎ ዝበለ ኢሕኣፓ፡ ኣቦ መንበሩ ዝርከብዎም እሱራት ፖለቲካ ኣብ ቀረባ ግዜ እንተዘይተፈቲሖም ኣብቲ መስርሕ ክሳተፉ ከም ዘይኮኑ ኣፍሊጡ`ሎ። ዋና-ጸሓፊ`ቲ ኮሚሽን ልዝብ ዝኾነ ኣቶ ደስታ ዲንቃ ብወገኑ፡ ኣብ መስርሕን ዕላማን`ቲ ምኽክር ዝተፈላለዩ ግንዛበታት ከም ዘለዉ ድሕሪ ምጥቃስ፡ ኣብታ ሃገር ብዘሎ ናይ ፖለቲካ ረስኒ ብዛዕባ`ቲ መስርሕ ዝቐርቡ ሕቶታት እናወሰኹ ይኸዱ ምህላዎም ጠቒሱ።  ስለዝኾነ ድማ ምትእምማን ክፈጥር ዘኽእል ስጉምቲ  ክውሰድ ከም ዘለዎ እቲ ምሁር ሕጊ ዋና-ጸሓፊ`ቲ ኮሚሽን ልዝብ ኣመልኪቱ`ሎ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ብወገኑ እቶም ዝእሰሩ ሰባት ብፖለቲካዊ ኣረኣእያኦም ኣይኮኑን ብዝብል ከምኡ ዓይነት ይፈትሑልና ዝብል ቅድመ ኩነት ክነጽጎ ምጽንሑ ይፍለጥ።  ... ድምጺ ኣመሪካ 2 w
ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ምትፍናን ክልላት ኣምሓራን ትግራይን ብዘተ ክዓርፍ ይጽውዕ Public Domain  — ዋሽንግተን — ኮሚሽነር ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋኪ መሃማት ኣብ ኣከራኻሪ ወረዳታት ክልላት ትግራይን ኣምሓራን ዝርአ ዘሎ ምትፍናንን ተኽእሎታት ጎንጺን ዘለዎ ስክፍታ ብምግላጽ ብህጹጽ ተጻብኦታት ክቋረጽ ጸዊዑ። ከም ሓበሬታ ሕቡራት ሃገራት፡ ካብ ምስ ክልል ትግራይ ዘዳውብ ከተማታት ኣላማጣ፡ ራያ-ኣላማጣ፡ ዛታን ኦፍላን ኣስታት 50-ሽሕ ተወላዶ ኣምሓራ ዝዀኑ ህዝቢ ካብ መንበሪኦም ከም ዝተመዛበሉ ይሕበር። ኮሚሽነር ማሃማት ኣብቲ ሎሚ ዓርቢ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ክልቲኦም ወገናት ንሲቪላውያን ዜጋታት ከቕድሙን ካብ ዝተሓደሰ ምምዝባል ህዝቢ ከድሕኑን ጸዊዑ። መግለጺ ኮሚሽነር ኣፍሪቃዊ ሕብረት ክልተ ኣካላት ፍልልያቶም ብዘተ ክፈትሑ ተማሕጺኑ። ኣብ ቀረባ ሰሙናት ብዝተፈጥረ ምትፍናን ክልተ ወገናት ንሓድሕድ ክካሰሱ ምጽናሖም ይዝከር። ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ካብ ፈደራላዊ መንግስቲን ክልል ትግራይን ግብረ-መልሲ ንምስማዕ ዝገብሮ ጻዕሪ ኣየሰመረን። እቲ ዝብሃል ብናጻ ወገን ንምርግጋጹ ከም ዘይከኣል’ውን ኣመልኪቱ ኣሎ። ... ድምጺ ኣመሪካ 2 w
ኤርትራ፡ ወፍሪ ክታበት -- ስሩዕ መደብ ንምሕላው Public Domain  — ኣስመራ — ትማሊ ረቡዕ 24 ሚያዝያ ጀሚሩ ክሳብ 28 ሚያዝያ ዝቕጽል ክታበት ኣንጻር ንፍዮ፡ ሩቤላን ምዕዳል ቫይታሚን- ኤን ኣብ ምሉእ ኤርትራ ይካየድ ኣሎ። በዚ ተበጊሱ ዘሎ ወፍሪ ኣስታት 520-ሽሕ ህጻናት ክብጽሑ ትጽቢት ከም ዝገበር ሃገራዊ ምክትታል ክታበት ሚኒስትሪ ጥዕና ንድምጺ ኣመሪካ ሓቢሩ።     ... ድምጺ ኣመሪካ 2 w
ኲሓ -- ወፈራ መጥባሕቲ ዓይኒ Public Domain  — መቐለ — ኣብ ሕክምና ዓይኒ ኲሓ ንምዕጻው ቱቦ ንብዓት ዓይኒ ዝምልከት ናጻ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ዝሓለፈ ሰሙን ተዋሂቡ። እዚ ምስ ኣብ እስራኤል ዝርከብ ትካል ግብረ-ሰናይ ዝተገብረ ስርሓት፡ ንተሓከምቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ካልኦት ርሑቓት ስፍራታት ከይዶም ካብ ምሕካም ከም ዘድሓኖም ሰብ-መዚ እቲ ሕክምና ይገልጹ።  ንኣተሓባበርቲን ተገልገልቲን ኣዘራሪብና ኣለና።   ... ድምጺ ኣመሪካ 2 w
ሃገራዊት ቤት ምኽሪ ድሕነት ኢትዮጵያ ንዝሃቦ መግለጺ ህወሓት ይቃወም Public Domain  — መቐለ — ሃገራዊ ቤት ምኽሪ ድሕነት ኢትዮጵያ ትማሊ ረቡዕ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ዕጡቓት ህወሓት ምሉእ ብምሉእ ዕጥቆም ክፈትሑን ኣከራኻሪ ዝበሎ ቦታታት ድማ ሓደ መደምደምታ ክግበረሉን ጠቒሱ ነይሩ። ንስምምዕ ተጻብኦታት ፕሪቶሪያ ዝፈረመ ህወሓት ግን ቅድሚ ግዜኡ ሰራዊቱ ዕጥቂ ከም ዘፍትሐ ገሊጹ። ርእይትኡ ንድምጺ ኣመሪካ ዝሃበ ሓላፊ ክፍሊ ፕሮፓጋንዳ እቲ ውድብ ድማ ፈደራል መንግስቲ ነቲ ክፍጽሞ ዝግበኦ ከም ዘየማልአ ይምጉት።   ... ድምጺ ኣመሪካ 2 w
ኣብ ጎንደር ኣብ መንጎ ሰራዊት መንግስቲን ዕጡቓት ፋኖን ብዝተኻየደ ውግእ 5 ሰባት ምሟቶም ተገሊጹ Public Domain  — ባህርዳር — ኣብ ኢትዮጵያ ዞባ ደቡብ ጎንደር ቀበሌ ኣጎና ዝሓለፈ ሰኑይ ኣብ መንጎ ዕጡቓት ፋኖን ሰራዊት መንግስቲን ብዝተኻየደ ውግእ ሓሙሽተ ሰላማዊያን ሰባት ከምዝተቐትሉ ቤተሰብ ግዳያትን መሰኻኽር ዓይኒን ንድምጺ ኣመሪካ ገሊጾም። እቶም መሰኻኽር ዓይኒ ወሲኾም 15 ኣባይቲ ከምዝተቃጸሉ’ውን ሓቢሮም። ግብረ መልሲ ዝምልከቶም ክልላዊን ፌደራላዊን ሰበ-ስልጣን ንምርካብ ዝተኻየደ ፈተነ ኣይሰለጠን። ኣዛዚ ሰራዊት ኢትዮጵያ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ኣብ ቀረባ ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ ሰራዊት ኢትዮጵያ ንሰላማዊያን ሰባት ይቀትል ኣሎ ንዝብል ተደጋገምቲ ሓበሬታታት ከምዝነጸግዎ ዝዝከር እዩ። ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት’ታ ሃገር  "ኣብ ክልላት ኣምሓራን ኦሮምያን ይቅጽሉ ዘለው ውግኣት ኣብ ልዕሊ ሰላማዊያን ሰባት ጉድኣት የውርዱ ኣለው፣ ስለዚ ሰላማዊ መዕለቢ ይገበረሎም" ዝብል ተደጋጋሚ ለበዋታት ምቅራቡ ዝዝከር እዩ። ... ድምጺ ኣመሪካ 2 w
ስድራ ግዳያት ዝወደቐት ነፋሪት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ክሲ ክምስረት ይሓቱ Public Domain  — ዋሽንግተን — ሰበ-ስልጣን መንግስቲ ኣመሪካ ምስ ስድራቤት ግድያት ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ዝወደቐት ንብረት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዝኾነት ቦይንግ 737 ማክስ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ተራኺቦም፡ ተዘራሪቦም። ስድራቤት ሚንስትሪ ፍትሒ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ኩባንያ ቦይንግ ክሲ ገበን ንክምስርት ዘለዎም ድልየቶም ገሊጾም ኣለው። ኩባንያ ቦይንግ ምስ ስድራ ቤት ግዳያት ሚስጢራዊ ስምምዕነት ከካይድ ምጽንሑ ይግለጽ። ኣብቲ ሓደጋ ስድራቤቶምን ፈተወቶምን ዝሞትዎም ግና ሚንስትሪ ፍትሒ ኣብ ቤት ፍርዲ ፌደራል ክሲ ንክምስርት ኣብ ምሕታት ይርከቡ። ነቲ ሕቶ ዝተቀበለ ሚንስተር ፍትሒ ኣመሪካ ነቲ ጉዳይ ይምርምሮ ከምዘሎ ትማሊ ረቡዕ ኣፍሊጡ ኣሎ።   ... ድምጺ ኣመሪካ 2 w